እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ምኽንያታት ኣገዳስነት ስምምዕ እስራኤል ምስ ኢመራትን ባሕሬንን
ሎሚ መዓልቲ ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ እስራኤልን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን፡ ኣመሪካ ዘሳለጠቶ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ዝምልከት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ክፈራረሙ'ዮም።
ብተወሳኺ፡ ብዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ዝነበራ ዝምድና ናብ ንምምሕያሽ ዘኽእሎ ስምምዕ ከም ዝፍርም ተዛሪቡ ነይሩ።
ስምምዕ እዘን ሃገራት ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ?
1. ሃገራት ወሽመጥ ምስ እስራኤል ንግድን ካልእን ይጥምታ
እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ነታ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ንግድን ቱሪዝምን ዝገበለት ኢመራት ፍናን'ዩ።
ጎና ጎኒ ኣመሪካ እቲ ኣብ ሕሉፍ ንሕቡራት ዓረብ ኢመራት ቃል ዝኣተወትላ መሸጣ ዘመነዎት ኣጽዋር ድሮ ከተቕርበላ ምጅማራ ዘመላኽት'ውን ይመስል።
እዚ፡ ኤፍ - 35 ከምኡ'ውን ኢኤ - 18ጂ ዝዓይነተን ምዕቡላት ናይ ውግእ ነፈርቲ ዘጠቓለለ ኣጽዋር'ዩ።
ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ድሮ እቶም ዘለውዋ ምዕቡላት ኣጽዋር ኣብ ሊብያን የመንን ተጠቒማትሎም'ያ።
ግንከ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ወሽመጥ ዓረብ ዝተሰለፈት ገና ዘየረከበትላ ጸላኢት ሃገር ኣላታ፤ ኢራን።
እስራኤልን ኣመሪካን ድማ ተኻፈልቲ ኢመራታውያን ብዛዕባ ኢራናውያን ዘለዎም ጥርጣረ እየን። ባሕሬን'ውን።
ክሳብ 1969 ኢራን ባሕሬን ኣካል ግዝኣተይ'ያ ክትብል ምጽንሓ ይፍለጥ።
መራሕቲ ሱኒ ዝኾኑ ባሕሬናውያን ድማ ነቶም ኣብ ኢራን ዘለው ፍንጻሕ መሰንገሎም ዝኾኑ ሺዓ ዓምዲ ኢራን ገይሮም ይቖጽሩዎም።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን ብውሑድ ምስ እስራኤል ሰላም ፈጢረን ኣለዋ። ብቐጻሊ፡ ምስ እስራኤል ብወግዒ ንግዳዊ ልውውጥ ክህልወን የዕጽበያ።
እስራኤል፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ዘለውዋ ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን።
ካብ ኮቪድ ወጻኢ ድማ፡ እስራኤላውያን ምዝዋር ፈተውቲ ስለ ዝኾኑ፡ በረኻታት፣ ገምገም ባሕርን ዓበይቲ ሹቓት ወሽመጥ ዓረብን ከም ባሕሪ ክሕምሱሎም'ዮም።
ስለዚ፡ እዘን ሃገራት ሃይሃይታ እንካ ሃባ'ዶ ኣይፈጠራን?
2. እስራኤል ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ተነጽሎ ትንኪ
ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ባሕሬንን ርክባትካ ምልዛብ ንእስራኤል ዓብዪ ዓወት'ዩ።
ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ኣማኒ ካብ 1920ታት ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኣይሁዳዊት ሃገርን ዓረብን ዘሎ "መንደቕ ሓጺን" ተባሂሉ ዝግለጽ ርክብ እዩ።
እዚ ክልሰ ሓሳብ፡ ኣብ መወዳእታ ጥንካረ እስራኤል ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ወጻኡ ካልእ ኣማራጺ የብለንን ዝብል'ዩ።
ግን ድማ እስራኤል፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገጠማ ተነጽሎ ኣይትፈትዎን። ምስ ግብጽን ዮርዳኖስን ሙውቕ ሰላም ነይሩዋ ኣይፈልጥን።
ኣንጻር ኢራን ንምግጣም ልፍንትኻ ምጥንኻር ካልእ ተደማሪ ከስቢ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታኒያሁ ኢራን ቀንዲ ጸላኢት እስራኤል ገይሩ'ዩ ዝጥምታ፤ መራሕቲ ኢራን ምስ ናዚ'ዩ ዘወዳድሮም።
ብተወሳኺ ኔታኒያሁ ኣብ ሃገሩ ፈተና ከም ዝገጠሞ ክዝንጋዕ የብሉን፤ ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወርድ ይኽእል'ዩ።
ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝነበሮ ጽቡቕ ጅማሮ መወዳእትኡ ኣየጸበቐሉን። ተቓወምቱ ድማ ወትሩ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ሰልፊ ከካይዱ'ዩ ዝስትውዓል።
3. ጽዋዕ ዕልዋ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ንዶናልድ ትራምፕ
እዚ ስምምዕ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንፕሬዝደንት ኣመሪካ ክጠቕሞ'ዩ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን "ልዑል ጸቕጢ" ምሕዳር ናይ ዝብል ስትራቴጂ ዓብዪ ምዕባለ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ መረጻ ቐሪቡ ስለ ዘሎ ኣብ ዓለም ብሉጽ ፈጣሪ ስምምዕ'የ ንምባል ከኽእሎ'ዩ።
ዝኾነ ንእስራኤል ዝጠቅም ወይ'ውን ንመንግስቲ ኔታንያሁ ዘርብሕ ክገብር እንከሎ፡ ኣብ እዋን መረጻ ካብ ኣመሪካውያን ክርስቲያን ወንጌላውያን መረጽቲ ዝሓሸ ድምጺ ክረክብ የኽእሎ።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምስ እስራኤል ብዛዕባ ዝህልወን ርክብ ግልጺ ምስ ዝኸውን ኣንጻር ኢራን ዝሰርሕ "መሓዙት ኣመሪካ" ዝብል ጥምረት ዚያዳ ይጠናኸር።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እዚ "ውዕሊ እዚ ክፍለ ዘመን" ክብል ዝገለጾ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢመራትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ፈላማይ ኣይኮነን።
"ውዕሊ ኣብርሃም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ሚዛን ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ዝገበረን ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ሓደ ዕልዋ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ገይሩ ዘቕረቦን እዩ።
4. ፍልስጤማውያን ክሕደት ይስምዖም
ፍልስጤማውያን ሕጂ'ውን ሕጉሳት ኣይኮኑን።
እቲ ቐደም ንስምምዕ ኣብርሃም ከም ክሕደት ክብሉ ኮኒኖምዎ'ዮም።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ ድማ ዋጋ ምስ እስራኤል ዝፍጠር ንቡር ርክብ ንፍልስጤማውያን ናጽነት'ዩ ዝብል መርገጺ ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዘፍርስ'ዩ።
እስራአል ምስ ሃገራት ዓረብ ሓድሽ ህዝባዊ ርክባት ትፈጥር ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌምን ዌስት ባንክን ጎቢጣትና'ዮም ዝብሉ ፍልስጤማውያን ምስ ኩርኦም ኣለው።
ልኡል ኢመራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያኑ [ምስለ መራሒ ኢመራት] ግን ዋጋ ምስ እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ውስት ባንክ ዘሎ ጎበጣ እስራኤል ደው ንምባል'ዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ግን ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ይበጽሖ ስለ ዘሎ፡ 'ንሕጂ ድሓን' ኢሉ ዝተቐበሎ ይመስል።
ኢመረታውያን ድማ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ጋሕማጥ ወይ ጠገለ ዘይብሉ ፖለቲካዊ መዋጽኦ ቀሪቦምሉ'ዮም።
እቲ ጸገም፡ ባሕሬን'ውን ኣካል እቲ ሓድሽ ውዕሊ ሰላም ምዃና ፍሌስጤማውያን ተወሳኺ ታህዋኽ ክፈጥረሎም'ዩ።
እዚ ካብ ፍቓድ ስዑዲ ዓረብ ወጻኢ ፈጺሙ ዝኸውን ኣይኮነን። ስዑዳውያን ደረስቲ እቲ ንፍልስጤም ናጻ ዘውጽአ ትልሚ ስምምዕ ሰላም ዓረብ'ዮም።
5. ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ፍልጸት ርእሲ ንኢራን
እዚ ሓድሽ ምሕዝነት ብመራሕቲ ኢራን'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበሮ ማዕቀብ ከቢድ ቑጠባዊ ጸቕጢ የሕድር ምህላው ይፍለጥ።
ሕጂ ድማ ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ግድል ገጢሙዎም ኣሎ።
መበገሲ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ካብ ኢራን ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ። ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ግን ኣብ ማያት ወሽመጥ ዓረብ'ዩ።
ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቦታታት ኒኩለር ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍጻም እንትድለ ናይ ቐረባ ኣማራጺ ኣይስኣንን ማለት'ዩ።
ሕጂ እስራኤል፣ ኣመሪካ፣ ባሕሬንን ኢመራትን ሓደሽቲ ኣማራጺታት ኣለወን።