እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቬነዝዌላ፡ ‘ኣሜሪካዊ ሰላዪ ኣብ ከባቢ መጻረዪ ነዳዲ ተታሒዙ’
ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ሓደ "ኣሜሪካዊ ሰላዪ" ኣብ ከባቢ ትካላት መጻረዪ ነዳዲ ከም ዝተታሕዘ ተዛሪቡ።
ንሱ ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ብሓሙስ ዝተታሕዘ ኣሜሪካዊ፡ ኣጽዋርን ብርክት ዝበለ ገንዘብን ሒዙ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
እቲ ሰብ ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ መደበር ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣይኤ - ይሰርሕ ምንባሩ'ውን ማዱሮ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የለን።
ብኻልእ ዜና፡ ሰብ መዚ ቬነዝዌላ ንመጻረዪ ነዳዲ ኤል ፓሊቶ ከባርዕዎ ተሊሞም ከም ዝነበሩን ከም ዝፈሸሎምን ተዛሪቡ። ዝርዝር መብርሂ ግና ኣይሃበን።
ቤት-ፍርዲ ቬነዝዌላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክልተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ነበር ንፕረዚደንት ማዱሮ ክትዓለው ፈቲንኩም ብዝብል ን20 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱ እዩ።
እቶም ሉክ ደንማንን ኣይራን ቤሪን ዝተባህሉ ኣሜሪካውያን፡ ብሸርሒ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋርን ግብረ ሽበራን ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።
ንሳቶም ምስ ካልኦት 11 ሰባት ብባሕሪ ካብ ኮሎምብያ ናብ ቬነዝዌላ ክኣትው እንከለው እዮም ኣብ ወርሒ ግንቦት ተታሒዞም።
ምስ ሶሻሊስቲ ፕረዚደንት ማዱሮ ዘይቃዶ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ፍጻመታት ኢድ ከም ዘብሉ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
ኣሜሪካ ንመራሒ ተቓውሞ ዩዋን ጓይዶ ከም ሕጋዊ ፕረዚደንት ኣፍልጦ ምሃባ ዝዝከር እዩ።
ማዱሮ፡ ኣሜሪካ ብመገዲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣቢላ ሃብቲ ነዳዲ ሃገሩ ትምዝምዝ ከም ዘላ ይከስስ።
ኣሜሪካን፡ ጓይዶን ግና ንቁጠባዊ ውድቀት ቬነዝዌላ ተሓታቲ ፕረዚደንት ማዱሮ ምዃኑ ይገልጻ።