እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቨኔዝወላ ክሪስትያን ዘርፓ ናብ ኣሜሪካ ኢዱ ሂቡ
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቨኔዝወላ ክሪስትኣን ዘርፓ ኣንጻር መሪሕነት ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ብምቕዋም ናብ ኣሜሪካ ኢዱ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቨኔዝወላ ክሪስትኣን ዘርፓ ምስ መደበር ሬድዮ ፍሎሪዳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ናጻ ኣይነበረን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ስርሓት ላዕለዋይ ፍርዲ ኢዱ የተኣታቱ ምንባሩ'ውን ኣፍሊጡ።
ብካልእ ሸነኽ፡ ክሪስትኣን ዘርፓ ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተላዓለ ክሲ ጾታዊ ጥቕዓት ምስቲ ናቱ ምህዳም ዘተኣሳስረዎ ሰባት ኣለዉ።
ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ቨኔዝወላ 'ኣምሰሉ'ዩ' ብምባል ካብ ምስታፍ ከም ዝሓንዱ ዝዝከር'ዩ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቨኔዝወላ ክሪስትኣን ዘርፓ፡ ኣብ 2018 ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመልኪቱ ዝኾነ ህዝባዊ መደረ ከም ዘይስመዐ ብምሕባር፡ እቲ ምኽንያት ንሱን ስድርኡን ኣቐዲሞም ኣብ ውሑስ ቦታ ( ኣሜሪካ ) ክበጽሑ ስለ ዝመረጸ ምኳኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ማዱሮ ኣብ ዝመጽእ 10 ጥሪ ቃለ መሓላ ክገብር መደብ ተታሒዝሉ'ሎ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ዘይርትዓዊ'ዩ ነይሩ ብምባል፡ 14 ሃገራት ኣምባሳድራተን ካብታ ሃገር ስሒበን ኣለዋ።
ኣሜሪካ ብወገና ቁጠዓዓ ንምግላጽ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢራ ትርከብ።