ዓለምለኻዊ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብቲ መረፃን ናብ ትግራይ ይገሹ ኣለዉ

ሮቡዕ ጳጉሜን 4 ንኽካየድ ሒደት መዓልታት ዝተርፍዎ "መረፃ ትግራይ 2012" ንምፅብፃብ ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽን ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ መረጻን ይኣትዉ ኣለዉ።

ዛጊት፣ ቢቢሲ፣ ዶቾወሌ (ሬድዮ ጀርመን)፣ ቪኦኤ (ድምፂ ኣመሪካ)፣ ቡሉምበርግን ካልኦትን ኣብ መቐለ ይርከቡ።

ሓይሊ ዕማም ትግራይ ነቶም ዝኣትዉ ጋዜጠኛታትን ዓለምለኸ ተዓዘብትን ኣመልኪቱ ሓድሽ ኣሰራርሓ ምውሻብን መርመራን የተግብር ኣሎ።

ብመሰረት'ዚ እቶም ኣጋይሽ ምስኣተዉ ሽዑ ንሽዑ ይምርመሩ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምውሻብ ውፅኢት መርመራ ተሰሪሑ ይወሃቦም ከምዘሎ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ጸብጺቡ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ ሆስፒታል ዓይደር ብቐረባ ይሰርሕ ምህላዉ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ: ዶ/ር ርእየ ኢሳይያስ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ነቲ መረፃ ዝዕዘቡ ዓለምለኸ ምሁራትን ተንተንትን እውን ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተመስረተ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ ምሕዝነት ትግራይ: ዝተፈላለዩ ሃገራት: ዓለምለኻዊ ትካላትን ስሙያት ውልቀሰባትን ከምኡ እውን ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ንኽርከቡ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል

ካብቶም ንመረጻ ትግራይ ክሪኡ ዝኣተው ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ፡ ሓደ ስሙይ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ፕሮፌሰር ትሮንቮል ኣብ መቐለ ይርከብ።

ትሮንቮል፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ጉዳያት ኢትዮጵያ ንኤርትራን ብቕርበት ክከታተል ዝጸንሐ ምሁር እዩ።

ትማሊ ኣብ መቐለ ከምዝኣተወን ውሸብኡ ወዲኡ ናብ ስራሕ ከምዝተዋፈረን ኣብ ትዊተር ገጹ ዝገለጸ ኖርወያዊ ተመራማሪ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ትሮንቮል፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕብኡ ኣመልኪቶም ክጽሕፉ ተራእዮም።

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብቕርበት ካብ ዝከታተሉ ወጻእተኛታት ምሁራት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ፌዴራል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምጉናይ ፖሊሲ ክእርም እንተዘይኮይኑ ኣብ ትግራይ ዘይተደለየ ውጽኢት ከስዕብ ይኽእል ኢሉ ነይሩ፡ ምስ ቴሌቭዥን ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት።

ትሮንቮል፡ ብፍላይ ድማ "Brothers at War: Making Sense of the Eritrean-Ethiopian War" ብዝብል ስርሑ ኣዝዩ እዩ ዝፍለጥ።