ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ንብራዚል ብምብላጽ ናብ ካልኣይ ደረጃ ደይባ

ህንዲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 90 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካብ ብብዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንብራዚል በሊጻታ።

በዚ መሰረት ህንዲ 4,204,613 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካብ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ።

ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት’ውን 71,642 ሞት ብምምዝጋብ ካብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ዘላ።

እቲ ኣብ ህንዲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልጡፍ ለበዳ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እታ ሃገር እዩ ብኢሱ ዘሎ።

እቲ ለበዳ፡ መንግስቲ ነቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳታት፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባርን ነቶም ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ መልዮናት ዜጋታቱ ናብ ስረሖም ክምለሱ ብምባል ከልዕሎ ምስ ጀመረ እቲ ለበዳ ብናህሪ ክውስኽ ከምዝተራኣየ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት መዓልታዊ ልዕሊ 75 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮቪድ 19 ዝተለኸፉ ሰባት ክርከቡ ጸኒሖም።

ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብኦም ኮሮናቫይረስ ዝርከቦም ዘሎ ሰባት፡ ኣንድራ ፓራዲሽ፡ ታሚል ናዱ፡ ካርናታካ፡ ማህራሽትራን ኡታር ፕራድሽን ዝብሃላ ሰብ ብጻዕቂ ዝነብረለን ሓሙሽተ ዞባታት እዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ዝኾነት ከተማ ደልሂ’ውን እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ ኣብታ ከተማ ብሰሉስ ልዕሊ 2700 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ዝተራኣየ እቲ ዝበዝሐ እዩ።

ህንዲ መዓልታዊ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናይ ምርማር ዓቕሚ ዘለወን ትካላት ጥዕና እያ ትውንን፡ ብብዝሒ መርመራ ይግበር ስለዘሎ እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።

ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትሑት መጠን ሞት’ኳ ተመዝግብ ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታተ መዓልታዊ ኣስታት 1000 ሰባት’ዮም ክሞትዋ ጸኒሖም።

ህንዲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ፡ ካብ ዓለም ክልተ ሚልዮን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሳልሰይቲ ሃገር ተባሂላ ተመዝጊባ ነይራ።

እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።