ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ብዋሕስ ተፈቲሖም

ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝተኣሰሩ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ሓዊሱ ሓሙሽተ ኣባላት እቲ ውድብ ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ካብ ጠበቓ እቶም ተጠርጠርቲ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣይተ ተስፋ ኣለም ይሕደጎን፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣራዳ ብዋሕስ ገንዘብ ክፍትሑ ዋለ'ኳ ወሲኑ እንተነበረ፡ ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ልደታ ይግባይ ብምባሉ፡ ተወሳኺ ቆፀራ ተዋሂብዎም ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈዓርቢ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ነቶም ተጠርጠርቲ ኣመልኪቱ ፖሊስ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ጊዜ ክፍቀደሉ ምስ ሓተተ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕቶ ከምዝነጸጎ ኣይተ ታደለ ወሲኹ ኣረዲኡ።

“ፖሊስ 14 መዓልታት ክፍቀደሉ ሓቲቱ። ንሕና ክፍቀድ የብሉን ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪብና። ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ደጊሙ ክርእይ ንሰኑይ ኣሕዲሩዎ"።

ብሰኑይ ድማ፡ ሓሙሽቲኦም ኣባላት ህወሓት ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ካብቶም ኣርባዕተ ጠበቓ ናይቶም ጥርጡራት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ታደለ ተዛሪቡ።

ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃ፣ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን ኣይተ ኣጽብሃ ኣለማዮን ነንሕዶም ብ20 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ፤ ኣይተ ስምኦንን ዘገየን ሻለቃ በሪሁ ጽጌን ድማ ነፍሰወከፎም ብ10 ሽሕ ዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኩሎም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኾይኖም ክከታተሉ ከምዝወሰነ እቲ ጠበቓ ኣረዲኡ።

ስድራ እቶም ጥርጡራት እቲ ዝተብሃለ ገንዘብ ኣቕሪቦም፣ በቲ ዝተወሰነ መሰረት ከምዝተፈትሑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ብምንታይ እዮም ተጠርጢሮም ነይሮም?

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት እቲ ውድብ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበርን ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ፍትሕን ሕግን ፌደራል ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዮም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ሰብመዚ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ቆፀራታት፡ 'ናይ ዓዲ ምስጢርን መረዳእታን ንናይ ዓድን ወፃእን ኣሸበርቲ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስኣበባ ተፈጢሩ ምስ ዝነበረ ህውከት ድማ ናዕቢ ንምልዓል ተንቀሳቒስኩም' ብዝብል እዮም ተጠርጢሮም ነይሮም።

ቅድም ክብል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርድ ኣራዳ፡ ክፍትሑ በይኑ እንተነበረ'ኳ፡ ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል፡ ምድብ መጋባእያ ልደታ ይግባይ ብምባሉ፡ እዞም ሰብመዚ ህወሓት ከይተፈትሑ ከምዝተረፉ ጠበቓ እቶም ጥርጡራት ኣይተ ክፍላይ መሓሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

"ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ዋሕስ ፈቒድሎም። ስድራ ንክፍትሑ፡ መፍትሒ ወረቐት ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ከለዉ፡ ፖሊስ ፅዒኑ ናብ ቤት-ፍርዲ ወሲድዎም።

ስለዚ እቲ መፍትሒ ወረቐት ተፈፃምነት ክረክብ ኣይከኣለን። ከይተፈትሑ እዮም ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም" ኢሉ ኣይተ ክፍላይ መሓሪ።

ፖሊስ ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ እዞም ሰብመዚ "ዓመት ሙሉእ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታትን ዓመፅን ናዕብን ከልዕሉ ይንቀሳቐሱ ነይሮም" ዝብል ካልእ ተወሳኺ ሓድሽ ክሲ ሒዙ ከምዝቐረበ፡ ኣይተ ክፍላይ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ፖሊስ፡ ምስ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን ሓንቲ ሽጉጥ፡ ምስ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ድማ ክላሽንን ሽጉጥን ተረኺቡ ዝብል ክሲ'ውን ከምዘቕረበ ዝገለፀ ኣይተ ክፍላይ፡ ናይ መንግስቲ ኣካል ዘዕጠቖም ዕጥቂ ከምዝኾነን ፍቓድ ዘለዎ ምዃኑን ከምዘረድኡ ይዛረብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፖሊስ፡ ናብ ኢንሳ ዝለኣኽናዮም ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፡ ተመርሚሮም ክሳብ ዝመፅኡልና ዝብልን፡ ምስቲ ዝተፈጠረ ህውከት ብዝተሓሓዝ ነፃርይ ኣለና ኢና ብዝብል ተወሳኺ ግዘ ንክወሃቦም ብምሕታቶም እዩ፡ ቤት-ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ቆጺርዎም ዝነበረ።