ቤት ፍርዲ፡ መዝገብ ክሲ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዓጽዩ

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው
መግለጺ ስእሊ, "መብዛሕትኦም ዛዕባታት ኤዴፓ፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣትዮም እዮም"

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ተላዒሉ ዝነበረ ናዕቢ ብምትሕብባርን ብምድጋፍን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝጸንሐ ኣባል ብሄራዊ ባይቶ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊፓርቲ [ኢዴፓ] ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ክሲ ዘየኽስሶ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ መዝገብ ከም ዝዓጸወ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ልደቱ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ቢሾፍቱ ከም ዝቐረበ ንጉዳይ ኣቶ ልደቱ ዝከታተል ፕሬዝደንት እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝነበረ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ድማ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዘካይዶ ዝነበረ መርመራ ከም ዝወድአ ብምግላጽ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ክሳብ ዝምስርተሉ ናይ 14 መዓልታት ተወሳኺ ግዜ ክወሃቦ ሓቲቱ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘይተቐበሎ እቲ ፕሬዝደንት ገሊጹ።

ቤት ፍርዲ መዝገብ መርመራ ፖሊስ ከም ዝዓጸወ ብምግላጽ ኣቶ ልደቱ ብኻልእ መዝገብ ዋሕስ ሕትኡ ንከቕርብ ከም ዝኣዘዘ'ውን ጠቒሱ።

ኣይተ ልደቱ 24 ሓምለ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ፈዴራል ተታሒዙ ናብ ከተማ ቢሾፍቱ ተወሲዱ ዝተኣሰረ።

እቲ ስሙይ ተቓዋሚ፡ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ንዝነበረ ናዕቢ ኣዋሃሂድካ ብዝብል ምኽንያት ከምዘተኣሰረ ፕረዚደንት ኢዴፓ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ኣብ'ቲ እዋን ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቶ ልደቱ መስራትን ኣባል ኣመራርሓን ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይቲ ሰልፊ ኣባል ቤት ምኽርን ‘ኣብሮነት’ ናይ ዝተብሃለ ጥምረት ሰልፍታት ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ወኪል እዩ።

ኣቶ ልደቱ ኣብቲ ኣብ 1997 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጎሊሁ ዝወጽአ ኾይኑ፡ ንፖሎቲካዊ ህይወቱን ንፖሎቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከትን መጻሕፍቲ ኣበርኪቱ እዩ።