ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፡ ንርእሶም ካብ ፖለቲካ ንኸግልሉ ዘገደዱዎም ክልተ ምኽንያታት

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው
መግለጺ ስእሊ, "መብዛሕትኦም ዛዕባታት ኤዴፓ፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣትዮም እዮም"

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ኤዴፓ ነበር፡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፡ ምፍርራሕን ክንቐትለካ ኢና ዝብል መልእኽትን ይበፅሐኒ ስለዘሎ ካብ ፖለቲካ ህይወት ወፅየ እየ ምባሎም ስዒቡ፡ ብዙሓት ርኢትኦም ይህቡ ኣለዉ።

ቀፃልነት ዘለዎ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ሰብ ተወዲቡ እንተተቓሊሱ፡ ንሃገር ይጠቅም እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውልቆም ጥራሕ ዝገብርዎ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብዙሕ ረብሓ ከምዘይብሉ እዮም ዝኣምኑ።

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ምሕደራ ትግራይ ብምስታፍ ፖለቲካዊ ርኢቶታትን ክኸውን ይግበኦ ዝበልዎም ሓሳብን ሂቦም ነይሮም።

ነዚ ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ክወሃቡ ፀኒሖም። ካብ ርኢቶታት ተቓውሞ ሓሊፉ ብዝተፈላለዩ ኣካላት መፈራርሒን 'ክንቐትለካ ኢና' ዝብል መልእኽትን ይበፅሖም ስለዘሎ፡ ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንርእሶም ከምዘግለሉ ድማ ገሊፆም።

"ሓደሓደ ሰባት ዘቐረብክዎ ሓሳብ ሰሚዖም እንተይኮነስ፡ ንምንታይ ናብ መቐለ ከይዱ ተኻፋላይ እቲ መድረኽ ኮይኑ ብምባል፡ ኣብ ልዕለይ ፀለመ ሽምን ምፍርራሕን ካብዚ ሓሊፉ ከምዝቐትሉኒ ክገልፁ ጀሚሮም ኣለዉ። 'ክንቀትለካ ኢና'፣ ንብረትካ እውን ክነቃፅሎ' ኢና ይብሉኒ ኣለዉ" ክብሉ እቲ ዘለውሉ ኩነታት ነጊሮምና።

ኣብ ፖለቲካዊ ውድቦም ንኩሉ ብመዓረ ምስራሕ ተግባሮም ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ምሕደራ ትግራይ ምስታፎም ግቡእን ንኩሉ ኢትዮጵያዊ ምግልጋል ድማ ስረሖም ከምዝኾነ ይዛረቡ።

"ኣነ ዝፈልጦ፡ መቐለ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና እዩ። ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ እዩ። ኣነ ከኣ ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ውድብ ስለዘለኹ፡ ክልል ኣምሓራ ፣ ትግራይ፣ ሶማሌ ኣዲስኣበባ ኢለ ክፈሊ ኣይኽእልን።

ንኩሉ ኢትዮጵያዊ እየ ዝቃለስ። ናብ መቐለ ከይደ እንተተቓለስኩ ድማ ስረሐይ እዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ፍቕሪን ሰላምን ኣብ ዝስበኸሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ምፍርራሕ ክበፅሖም ምኽኣሉ፡ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ይሕብሩ።

"እዚ ንምንታይ ገይርካ ብዝብል ዓሌታዊ አተሓሳስባ ንዓይ ምፍርራሕ፡ ሕዚ እውን ሰላምን ፍቕርን ኣብ ዝስበኸሉ ግዘ ፡ ክንደየናይ ፅልኣትን ኣኽራርነትን ዘለዎም ሓይልታት ከምዘለዉ ዘርእይ እዩ። እዚ ድማ ዘሕዝን እዩ" ኢሎም።

ኣይተ ልደቱ ነዚ ምፍርራሕ ይፍፅሙ ኣለዉ ዝበልዎም ኣካላት፡ ንህይወት ሰባት ዘስግኡን ነፃነት ሰባት ነፃነት ዘስእኑን ከምዝኾኑ እዮም ዝገልፁ።

"ኣነ ከምዝርድኣኒ ግን ንሕና ኮንና መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ን27 ዓመታት ዝተቓለሰን ሕዚ እንርእዮ ንዘለና ሰናይ ለውጢ ንምርኣይ ዝበቓዕና ዝሐሸ ነፃነት ንምርካብ እዩ። ዝነበረና ንምስኣን ኣይኮነን።" ክብሉ ኣረዲኦም።

እዚ ናይ ለውጢ ከይዲ ዘይተርድኦም ኣኽረርቲ ሓይልታት ግና ብመንፈስ ዓሌታውነት ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ጫፍ ብምሓዝ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ሕቶ ዘእትውሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ " ብምባል ነቲ ህልው ኩነታት የብርሁ።

ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ህልዉ ኩነታት ክሳብ ዝልወጥ ካብ ፖለቲካ ንምርሓቕ ከም ዝተገደዱ'ውን ኣፍሊጦም።

"ብብርኪ ውድብ ዘበርክቶ እጃም ክሳብ ዘየለ ፡ ሓሳበይ ብናፅነት ንምግላፅ እንትፍትን ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ንህይወት ዘስግእ ምፍርራሕ እንድሕር ዝበፅሐኒ ኮይኑ፡ ነገራት ክሳብ ዝልወጡን ዝሰኽኑን፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንባዕለይ ንምዕቃብ ኣድላይ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ" ኢሎምና፡ ኣይተ ልደቱ፡ ዝመፅእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እታ ሃገርን ብድሆታትን ክስተኻኸሉ ብምትስፋው።

" እዚ ማለት ግና ንዘልኣለም ካብ ፖለቲካ ክወፅእ እየ ማለት ኣይኮነን። ፖለቲካ ብጣዕሚ እየ ዝፈትው፤ ደልየዮ ነብሰይ ደስ ኢልዋ ዝሰርሖ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ህይወተይ ካብ ፖለቲካ ክወፅእ እየ ኢለ ኣይሓስብን።"

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፡ ካብ ፖለቲካ ንባዕሎም ንከግልልሉ ዝገበሮም ካልእ ምኽንያት ድማ ውድቦም ኢዴፓ ንክበታተን ዝተገበረ ኣካይዳ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

"ከም ውድብ ናብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክንመፅእ ንኽእል፡ እቲ ክንፈርስ ዝገበረ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር፡ ንባዕሉ እንተፈሪሱ ጥራሕ እዩ። እዚ ቦርድ መረፃ እዚ እንተዘይፈሪሱ፡ ዳግማይ ደኺምና፣ ሓድሽ ውድብ ኣጣይሽና፡ ካብዚ ዘይሕጋዊ ትካል ሕጋዊ ኣፍልጦ ክንሓትት ኣይንኽልን" ኢሎም።

እቲ ቦርድ መረፃ ዝፈርስ እንተኾይኑ ግን፡ ዳግማይ ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም ክቃለሱ ከምዝሓስቡ ዝገለፁ ኣይተ ልደቱ፡ ኩነታት እንተተስተኻኺሎም፡ ናብ መስመር ቃልሲ ክምለሱ ከምዝኽእልሉ እዮም ሓቢሮምልና።

ክሳብ ሽዑ ከም መማፂ ዝሰድዎ ስጉምቲ፡ ንባዕሎም ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ምቑጣብ ዝብል እዩ።

"ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃዲኡ፡ ሰባት ክደማመፅሉን ሓሳቦም ብኣግባቡ ክገልፅሉን ዝኽእሉ ኩነታት እንተፈጢሩ ፡ ናብ ቃልሲ ዘይምለሰሉ ኩነታት የለን። ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግና ነዚ ዝጥዕም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን።" ኢሎም።