ኢዴፓ፡ ኣቶ ልደቱ ብዝምልከት: ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ደብዳበ ምጽሓፉ ገሊጹ

ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣብ ቢሾፍቱ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣባል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ እቲ ወድብ: ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ደብዳበ ከምዝጸሓፈ ገሊጹ፡፡
ኢዴፓ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝጽሓፎ ድብዳበ፡ ‘‘ውድብና ኣቶ ልደቱ ዝተኣሰረ: ምስ ገበን ብዝራኸብ ተግባር ዘይኮነስ፡ ብፖለቲካ እዩ ኢሉ ይኣምን’’ ብምባል ከምዝገለጸ ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ኣቶ ልደቱ ተኣሲሩሉ ዘሎ ኩነታት ንኮሮናቫይረስ ዘቃልዕ ከምዝኾነ ኣብቲ ደብዳበ ከምዝሓበረን መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ ስጉምቲ ክወስድ እቲ ውድብ ከምዝሓተተን ኣቶ ኣዳነ ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ዘሕደሮ ጽልዋ ብምሕባር ብሓፈሻ ዘለዎም ቅረታ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘቕረቡ ተዛሪቡ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣቶ ልደቱ፡ ሎሚ ረፋድ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት 4፡00 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ኣቶ ኣዳነ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ቆጸራ ተዋሂብዎ፡ ብእኡ መሰረት ፖሊስ ዝበጸሖ ከፍልጥ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ዝገለጸ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ፡ ፖሊስ ዝኾነ ሓዱሽ ነገር ከቕርብ ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ፡፡
‘‘እቲ ቤት ፍርዲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ ኣብ ኢዱ ተረኺቡ እዩ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ህውከትን ዕግርግርን ተላዒሉ እዩ ዝብል ናይ ፖሊስ መረዳእታ ርእዩ ውዱቕ ገይሩ፡ ካብ ስልኩ ዝተወሰደ ድምጽን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ካብ ቴሌ ቀዲሕና ኢና፡ ንሱ ኣተርጒምናን ኣዳሊናን ክነቕርብ ናይ 14 መዓልቲ ይፈቐደለይ ብምባል ፖሊስ ሓቲቱ’’ ኢሉ፡፡
ኣቶ ልደቱ ዘለዎ ናይ ጥዕና ኩነታት ብምሕባር ናይ ዋሕስ ሕቶ ከምዘቕረበን፡ እቲ መጋባእያ ሕቶኡ ብተደጋጋሚ ከምዝነጸጎን ዝገልጽ ኣቶ ኣዳነ፡ ኣብቲ መጋባእያ ቅድሚ ሕዚ ሓሙሽተ ጊዜ ከምዝተኣሰረን ነጻ ከምዝተብሃለን ብምግላጽ፡ ሕዚውን ነጻ ከምዝኾን ዘለዎ እምነት ከምዝገለጸ ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ፍትሒ ጥርጣረ ከምዘለዎ ብምግላጽ ‘‘እቲ መጋባእያ ንፖሊስ ጥራሕ እድል እናሃበ ንዕኡ ግን የንጋላተዖ ከምዘሎ’’ ብምግላጽ ቅረትኡ ከምዘቕረበ ኣቶ ኣዳነ ገሊጹ፡፡
እቲ መጋባእያ ብወገኑ፡ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ነጻ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ካብ ቴሌ መጺኡ ዝተብሃለ ድምጽን መልእኽትን ተተርጒሙ ክቐርብ ስለዘለዎ ንመወዳእታ ግዜ ብዝብል ናይ ሸውዓተ መዓቲ ቆጸሮ ከምዝተውሃበ ተዛሪቡ፡፡
ኣቶ ልደቱ ድሕሪ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ፡ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዓመጽ ክለዓል እናተሓባበረ ነይሩ ብዝብል ብፖሊስ ፌደራል ተታሒዙ ናብ ፖሊስ ኦሮምያ ምስተውሃበ ጉዳዩ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናተርኣየ ይርከብ፡፡







![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







