ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ በዓል ኣሸንዳ ንዝፍጠር ዕድላት ንግዲ ከመይ ጸሊውዎ?

በዓል ኣሸንዳ ነሰሙናት ኣብ ትግራይ በቢዓመቱ ኣብ 16 ነሓሰ ዝኽበር ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል እዩ። እዚ ብዓይነቱን ድምቀቱን ምስ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ፌስቲቫላት ዓለም ዘመሳስሉ ባህርያት ዘለውዎ በዓል ብዘይካ እተን ሰብ ዋና ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ንብዙሓት ካልኦት ሰባት ዘሳትፍ እዩ።
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ነዚ በዓል ብመልክዕ ፌስቲቫል ብድምቀት ብምኽባር ሓደ ካብ መስሕባት ቱሪዝም ንምግባር ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ሰፋሕቲ ሰራሕቲ እናሰርሑ መጺአም'ዮም።
ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ነቲ በዓል ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ምድላዋት እናተገበረ ድሙቕን ሰሓባይን ብዝኾነ መገዲ ክኽበር ክኢሉ'ሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ በዝሒ ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝመጽኡ ኣጋይሽ ካብ ግዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ንብዙሓት ዘርብሑ ዝተፈላለዩ ዕድላት ክፈጥር ከምዝኸኣለ ኣብ ቢሮባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክኢላ ዕዳጋን ምልላይን ነብያት ታከለ ለጽ።
"ኣብ በዓል ኣሸንዳ እናተሰርሐ ብዝመጽአ ናይ ምልዕዓል፣ ምልላይን ምልማዕን ስራሕቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ለውጥታት እናተርአየ መጺኡ እዩ። ቢሮና ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኮይኖም ብዝሰርሕዎ እናመርሕዎ መጺኦም'ዮም" ክብል የረድእ።
ኣሸንዳን ቁጠባን
እቶም ዝስርሑ ስራሕቲ ነቲ ባህሊ ዓቂብካ ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ካብ ምግባር ብተወሳኺ እናለምዐ ዕድል ዕዳጋ ክፈጥር ናብ ዘኽእል ደረጃ ከምዘብጽሕዎ ነብያት ይዛረብ።
"በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ንኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ብዙሕ ዕድላት እናፈጠረ መጺኡ እዩ። ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ካብ ውሽጢ ዓድን ደገን ንዝመጽኡ ኣጋይሽ ኣገልግሎት ብምሃብ ተረባሕቲ ይኾኑ ነይሮም" ክብል'ውን ይገልጽ።
እቶም ብቐጥታ ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ሆቴል፣ ሬስቱራንት፣ ንዑደተኛታት ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘብጽሑን ዘርእዩን መራሕቲ ዑደት፣ ምስ ቱሪዝም ዝተሓሓዙ ህያባት ኣብ ምሻጥ ዝተዋፈሩ መደብራትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኣካያዲ ስራሕ ኢንተርናሽናል ሆቴል ዘማርያስ ኣይተ ኣብርሃም ሰገድ በዓል ኣሸንዳ ብመንጽር ውዕዉዕ ስራሕን ዝሓሸ ኣታውን ክረአ ከሎ ኣብቶም ጽቡቕ ስራሕ ዝርከበሎም ወቕትታት ከምዝምደብ ይዛረብ።
"ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ እንሰርሓሉ፣ ምርኢት ሙዚቃ እነዳልወሉ፣ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት እንህበሉ፣ ኮታስ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝካየደሉ እዋን እዩ" ክብል ነቲ ዝፍጠር ዕድላት ስራሕ ይገልጾ።
እቲ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ቅንያት ንሆቴሎም ጥራይ ዘይኮነስ ንካልኦት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን'ውን ኣብ ትካሎም ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠር የረድእ እቲ ኣካያዲ ስራሕ።

"ብዙሕ ነገር እዩ ዝፈጥር። ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ የድልየካ'ዩ። ንኣብነት ተወሰኽቲ መተኣናገድቲ ስለዘድልየና ንሽዑ ጥራይ ብጊዚያውነት ክሳብ ምቑጻር ኢና ንበጽሕ። ዓሚ ከም ኣብነት እንተወሲድና ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ምርኢት ሙዚቃ ነይሩና። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ እዩ ተሳቲፉ። ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ንሆቴልና ዝውዕሉ እታወታት ንጠልበሉ እዋን እዩ" ይብል ኣይተ ኣብርሃም።
ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ. . .
ዓለም ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ቅልውላው ኣብ ዝኣተወትሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓሳት ዝተፈላለዩ ገደባት ተነቢሮም እዮም። ብፍላይ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ንለብዒ እቲ ቫይረስ ምችው ኩነታት ዝፈጥር ብምዃኑ ሰባት ኣብ ሓደ መድረኽ ዝተኣኻኸቡሎም ኣጋጣምታት ከምዝተኸልከሉ ይፍለጥ።
በዓል ኣሸንዳ ድማ ካብቶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ብምትእኽኻብ ዘኽብርዎምን ዝሕጎሱሎምን ኣጋጣምታት'ዩ። እንተኾነ ሎሚ ዓመት እዚ ክኸውን ኣይከኣለን።
ብመሰረት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዘቕረቦ ጻውዒት ዝሃቦ መምርሒን ቆልዑ ኣሸንዳ ነቲ በዓል ኣብ ገዝአን ኮይነን ከኽብራ ተገዲደን እየን።
"ዋላ'ኳ ክንድቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣይኹን ድምቀት እቲ በዓል መሊኡ ንኸይሃስስ ግን ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ስእልታት ብስፍሓት ብምዝርጋሕን ነቲ በዓል ብምልላይን ክበዓል ኣቐዲምና ተዳሊናሉ ኢና" ይብል ናይቲ ቢሮ ኪኢላ ዕዳጋን ምልላይን ነብያት።
ኣብዚ ዓመት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝነበረ ብዝሒ ካብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ካብ ደገ ንበዓል ኣሸንዳ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ኣይተረኣየን። ብፍላይ ምስ ገደባት ምንቅስቓስ ብዝተሓሓዝ ሰባት ኣብ በቢዘለውዎ ኮይኖም'ዮም ከብዕልዎ መሪጾም።
"90 ሚኢታዊት ኣታዊና ስኢንናዮ ኢና"
እዚ ኩነታት ነቶም ቅድሚ ሕዚ ዕድላት ዕዳጋ ዝፍጠረሎም ዝነበሩ ትካላት ዝሃሲ በሰላ ከምዝገደፈሎም ኣካያዲ ስራሕ ሆቴል ዘማርያስ ኣይተ ኣብርሃም ይዛረብ።
"እቲ ዝነበረ ዕድላት ነኪዩ ጥራይ ዘይኮነስ ዳርጋ ናብ ባዶ ወሪዱ እዩ። ዑደተኛታት ክመጽኡ እንተኾይኖም ምንቅስቓስ ክህሉ ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ምንቅስቓስ የለን። ምትእኽኻብ ሰባት ስለዘይፍቀድ'ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ዓሚ ምርኢት ሙዚቃ ኽነዳልው ኣይከኣልናን" ይብል።
በዓል ኣሸንዳ ክቀራረብ ከሎ ሆቴሎም ንኣዋርሕ ዝኣክል ቅድመ ምድላው እገብር ከምዝነበረ ብምሕባር ኣብዚ ዓመት ግን እቲ ለበዳ ቅድሚ ኣዋርሕ ምስተኸሰተ ብዝተነበሩ ገደባት ምኽንያት ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ይገልጽ።
"ኣሸንዳ ከም ቀደም ክበዓል ብዘይምኽኣሉ ብንጹር ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ስኢንና ክብል እንተዘይከኣልኩ'ኳ፤ ግን ከኣ ኣብቲ በዓል ጥራሕ ንረኽቦ ካብ ዝነበርና ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ስኢንናዮ ኢና" ክብል ኣብሪሁ።
ልክዕ ከም ሆቴሎም ካልኦት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝተዋፈሩ ትካላት'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዝገጠሞም'ዩ ዝዛረብ ኣብርሃም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







