ኲናት ሶርያ: ወተሃደራውያን መካይን ሩስያን ኣሜሪካን ተጋጭየን

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ወተሃደራዊ መካይን ኣሜሪካን ሩስያን ብምግጫወን፡ መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ንሓድሕዶም ተኻሲሶም። በቲ ሓደጋ ብዙሓት ወተሃደራት ኣሜሪካ ከም ዝተሃሰዩ ተገለጹ።

ነቲ ግጭት ዘርእይ ቪድዮ ብሃገራዊ ቴለቪዥን ሩስያ ክፍኖ ከሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሓት ይቀባበልዎ ኣለው።

ኣብቲ ቪድዮ ወተሃደራዊት መኪና ሩስያ ምስ ናይ ኣሜሪካ ክትጋጮን ናይ ሩስያ ሄሊኮፕተር ትሕት ኢላ ክትበርርን ይርአ።

ሩስያ፡ ኣሜሪካ መገዲ ከም ዝዓጸወት ገሊጻ።

እቲ ዜና ብሩቡዕ ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሓለዋ ንጥፈታት ከሰላስል ምዃኑ ኣቐዲሙ ንኣሜሪካ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ።

"እንተኾነ ግና፡ ወተሃደራት ሰራዊት ኣሜሪካ ነቲ ዝጸንሐ ስምምዕ ብምጥሓስ ነቲ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ኣካል ኣጊቶምዎ" ይብል መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ።

"ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ወተሃደራዊ ፖሊስ ሩስያ፡ ጎንጺ ንምውጋድን ነቲ ዝተዋህቦ ዕማም ንምፍጻምን፡ ኣድላዪ ስጉምቲ" ከም ዝወሰደ ወሲኹ ገሊጹ።

ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ ብወገኑ ናይ ሩስያ መኪን ምስ ናይ ኣሜሪካ ድርዕቲ መኪና ከም ዝተጋጨወትን ገለ ኣባላት ከም ዝቖሰሉን ሓቢሩ።