እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ፑቲን ፍሉይ መሕለዊ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተዳለወሉ ተገሊጹ
ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ዝሕልው ፍሉይ 'ታነል' ከምዝተዳለወሉ ተሓቢሩ።
ነቲ ፕረዚደንት ክረክብ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ዝኸይድ ዝኾነ ይኹን ሰብ በቲ ዝተዳለወ ፍሉይ መምከኒ ረኽሲ ጸቢብ መሕለፊ (ታነል) ኣቢሉ ክሓልፍ ይግደድ።
በቲ ታነል ዝሓልፍ ሰብ ድማ ክዳኑ ተኸዲኑ እናሃለዉ ልክዕ ከማይ ብዝንጸግ ጸረ-ረኽሲ ምሉእ ኣካላቱ ጸርዩ ከምዝወጽእ ጸብጻብ ማእኸናት ዜና እታ ሃገር የመልክት።
ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ዲመስትሪ ፔስኮቭ፡ ኣብ መእተዊ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝኾነ ይኹን ነቲ ፕረዚደንት ዝረክብ ዝደልይ ሰብ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብር ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ ወርሒ ከኣ እቲ ወሃቢ ቃል ብዝተገበረሉ ምርመራ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ኣብ ሩስያ ልዕሊ 500,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ይግለጽ።እዚ ብዝሒ ከኣ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ቁጽሪ ረኸሲ ዘጋጠመን ኣሜሪካን ብራዚልንን ቀጺላ ብሳልሳይ ደረጃ ሰሪዕዋ'ሎ።