ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ናብ ሱዳን ገይሾም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ ንጉሆ ናብ ሱዳን ከምዝገሸ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ርክባት ምስ ፕረዚዲንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሃምዶክን ክዛተ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ፡፡

ብተመሳሳሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፡ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ማይክ ፖምፒዮ ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽርን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክዛተ ምዃኑ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዘተ ግደ ኣመሪካ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስግግር ሱዳን ከምኡ'ውን ሱዳን ካብ ዝርዝር ደገፍቲ ግብረ ሽበራ እትወጸሉ ኣገባብን ዘተኰረ ዘተ ከካይድ'ዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ፡ ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ብዝምልከት ከም ዝዘራረቡ ተገሊጹ፡፡

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ቅድም ክብል ኣብ እስራኤል ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ድሕሪ ምዝታዩ እዩ ናብ ሱዳን ዝገይሽ ዘሎ፡፡

ጉዕዞ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ማይክ ፖምፒዮን ምግጣሙ፡ ክልቲኦም ዝመያየጥሉ ዕድል ክህሉ ከም ዝኽእል እናተገለጸ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ስሉሳዊ ዝርርብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ክለዓል ከምዝኽእል ይግመት፡፡

ህዳሰ ግድብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ዝተሳተፉሉ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኣብ መፈጸምትኡ ከይበጽሐ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣኽብርን ብዝብል፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝርርብ ኣንሳሒባ እያ፡፡

ጉዳይ እቲ ግድብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስተር ፋይናንስ ኣመሪካን ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ፡፡

ኣብዚ እዋን ሰለስቲኣን ሃገራት ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምምላእ መዓይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝርርብ ይርከባ።

ኢትዮጵያ እዚ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ነቶም ዓሰርተታት ሚልዮናት ዝኾኑ ዜጋታታ ቀረብ ኤሌትሪክ ዘይብሎም ዜጋታት መስተርሆት ክፈጥረሎም ተስፋ ኣንቢራትሉ ኣላ።

ግብጺ ድማ ቀረብ ጽሩይ ማያ ካብዚ ሩባ'ዚ ስለ እትረክብ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ምምላእ እንተጀሚሩ ሕጽረት ቀረብ ማይ ከየጋጥም ከም ዓብዪ ስግኣት'ያ ትጥምቶ።

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝጅመር ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋላ'ኳ እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ኣይብጽሓ እቲ ግድብ ማይ ክሕዝ ጀሚሩ'ዩ።