እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2013: ተምሃሮ ንለበዳ ከይቃልዑ እንታይ ይግበር'ሎ?
ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም ትምህርቲ ክጅመር ዝወሰነ ኾይኑ፡ ተምሃሮ ንለበዳ ኮቪድ 19 ከይቃልዑ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት'ቲ ሚኒስተር፡ ሓረግ ማሞ፡ ትምህርቲ ንክጅመር እንትውሰን፡ ዝዝተየሎም ዘሎ ቀንዲ ጉዳያት፡ ብኸመይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምቕራብ ይከኣል፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ክህሉ ዝግበኦ ምፍንታትን ፈረቓ ትምህርቲን ዝብሉ ከምዝርከቡዎም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብ ሓደ ክፍሊ ቁጽሪ ተምሃሮ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ውን ይዝረበሉ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ምስ ጸጥታን ድሕነትን ተምሃሮ ተኣሳሲሩ፡ ምስ ሚኒስተር ሰላም ይስረሐሎ ኣሎ ተባሂሉ።
ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ንመላእ ማሕበረሰብ፡ ኣድላይ ዝበሃል ሓበሬታ ከምዝወሃብ'ውን ተገሊጹ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ትማሊ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ከምዝበሎ፡ ናብ ምምሃር ምስትምሃር ቅድሚ ምእታው፡ ኣድላይ ዝበሃሉ መናጽሂን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምቕራብ፡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይዝተየሉ ኣሎ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ትምህርቲ ኾነ ምዝገባ መዓስ ከምዝጅመር ዛጊድ ኣይተወሰነን።
መምህራን፡ ተምሃሮ ንባዕሎም ካብ ኮቪድ-19 ክሕልዉ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎም ድማ፡ እታ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ገለ ንውሸባን ንመጽንሕን ኣገልግሎት ውዒሎም ዝጸንሑ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምዝገባ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ክጸርዩን ክነጽሁን ከምዘለዎም ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ተምሃሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካልኣይ ክፍለ ትምህርቲ [ሰሚስተር] ዘምለጦም ትምህርቲ ንምሽፋን ጻዕሪ ከምዝግበር፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢንጂነር ጌታሁን መኩርያ ትማሊ ኣብ መግለጺኡ ተዛሪቡ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ካብ ዝረኣ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽዋ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ካብ 8ይ ክፍሊን መበል 12 ክፍልን ወጻኢ ካልኦት ክፍልታት ብዘይ ፈተና ናብ ዝቕጽል ክዛወሩ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ተምሃሮ 8ይ ክፍልን መበል 12 ክፍልን፡ ብሄራውን መዛዘሚ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርትን፡ መዓስ ከምዝወስዱ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።