ሹመት ሓላፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስለምንታይ ተቓውሞ ኣልዒሉ?

    • Author, የማነ ናግሽ
    • Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣ መናእሰይ ኣኪቡ ፈቖዶ ደቡብ ትግራይ ይጎዪ ነይሩ። 'ብርክኻ ይጽናዕ!' ተባሂሉ ድማ ተመስጊኑ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ብዙሓት መናእሰይ ኣለው። ንሱ ግን፡ ኣብ ማሕበራዊ ጸገማት እዩ ዘትኲር። ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ክምህር፡ ካብ መቐለ ናብ ጸው ዝበለ ገጠር ይወፍር ኣሎ። ተኽሊት ሃይላይ ይበሃል።

"ኣብዝሓ ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ተጸሚዱ ስለዘሎ፡ ከም መንእሰይ ግቡኣይ ከወፊ ዝብል ተበግሶ ኣለኒ" ይብል።

እዚ ኣወንታዊ ባህሪ ካበይ'ዩ ወሪስዎ?

ብ1996 ዓ/ም ካብቶም ንፉዓት ተምሃሮ ሓደ ኾይኑ ናብ ኮሌጅ ኤም ኣይ ቲ [MIT] ኣትዩ፤ እቲ ኮሌጅ ድሕሪ ቀላሚኖ ዝመጽኣ ፍሉይ ኮሌጅ እዩ። ኣብ ውሽጢ ቃላሚኖ እዩ በቚሉ። ሕዚ እቲ ኮሌጅ የለን።

ስሙ ምስታ ማሕበር ጎሊሑ ዝለዓል ኣርኣያ ዘሪሁን፥ እዩ ኣመንጪይዎ ነይሩ።

ተኽሊት ምስ ኣርኣያ ዘሪሁን፡ ብተደጋጋሚ ናይ ምርኻብ ዕድል ረኺቡ ነይሩ።

ነቲ 'ኣያና' ዝብሎ፤ "ከምኣ ገይሩ እዩ ቀሪጹና" ይብል።

"ትግራይ ዝሓልፈላ፤ ሰባ እንተተማሂሩ ጥራሕ'ዩ " ይብል ከምዝነበረ ይዝክር።

ማልትን ህወሓትን

ኣይተ ኣርኣያ ፍልይ ዘብሎ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነት ነጻ ምንባሩ እዩ። እኳ ደኣስ ነጻነት እታ ማሕበር ክሕሉ ክብል፡ ብገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብጽቡቕ ይረአ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ዓመታት'ውን በቲ ኣከያይዳ ሕጉስ ከምዘይነበረ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።

ኣርኣያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1999 ዓ/ም እዩ ዓሪፉ። ማልት ግን ንሱ ብህይወት እናሃለወ ኣብ ክፍፍል ህወሓት 1993 ዓ/ም እዩ ንፋስ ክኣትዋ ዝጀመረ።

ኣብቲ እዋን ፈጻሚ ስራሕ'ታ ማሕበር ዝነበረ ዶክተር ሰለሞን መዝገቦ፡ ንክልቲኦም ጉጅለታት ህወሓት ከተዓርቕ ፈቲኑ 'ኢድካ ኣክብ' ምስተብሃለ፣ ገለ ኣባላት ቦርድ እታ ማሕበር ድማ ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዞም ምንቅስቓስ ምስጀመሩ፡ ብሓፈሽኡ በቲ ኩነታት ስለዘይተሓጎሰ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ክለቅቕ ተገዲዱ።

ዶክተር ሰሎሞን ልክዕ ከም ኣይተ ኣርኣያ 'ዓደይ ከገልግል' ኢሉ ምቹእ ናብራ ኣመሪካን ስድርኡን ገዲፉን ትምህርቱ ኣቋሪጹን እዩ መጺኡ ነይሩ። ደሓር ግን፡ ምፍርራሓት በጺሖምዎ፥ ካብ ዓዲ ከይወጽእ'ውን ተኣጊዱ፡ ብምድሪ ብወገን ሞያለ ኣቢሉ ንኬንያ ከምዝወጽአ ይዛረብ።

ነቲ ኩነታት ብዕሊ ዝከታተልን፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖን ዝተማህረ ሕዚ ኣብ ደቡብ ኣፍረቃ ተምሃራይ ዶክትሬት ዲግሪ ሃይላይ ኣበራ፡

"ህወሓትን ማልትን ዳርጋ ተላጊበን እየን ነይረን። እቲ ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምፍንጫል፡ ልክዕ ኣብ ውሽጢ ማልት'ውን ኣብ ደገ ኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተንጸባሪቑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ብጥንቃቐን ተኣመንቲ እቲ ውድብን ጥራይ ምምዛዝ ተጀሚሩ" ይብል።

"ብፍላይ ናይቲ ዝተስዓረ ጉጅለ ደጋፊ እዩ ተባሂልካ እንተተጠርጢርካ ኣይትጽጋዕን።"

ከምቲ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበራ ጨንፈራት'ታ ማሕበር'ውን ተኸፋፊለን ነይረን እየን።

ብፍላይ ብተበግሶ ገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከይተረፈ፡ ማሕበር ልምዓት ወረዳታት ክጣየሻ ምግባር፡ ኮነ ተባሂሉ ነታ ማሕበር ንምድኻም ዝዓለመ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ካብኡ ንደሓር፡ እታ ማሕበር ተሳልጦም ዝነበሩ ገለ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት'ውን ተቛሪጾም፡ ሕምስምስ ኣትዩዋ እዩ ጸኒሑ።

ዳግመ ትንሳኤን ስክፍታን

ካብ 2011 ዓ.ም ወርሒ ሕዳር ግን፡ ሓደሽቲ ኣባላት ቦርድ ተመሪጾም ምንቅስቓስ ጀሚሮም።

'ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ እዩ' ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣይተ ታደሰ የማነ፡ ኣቦ መንበር ቦርድ እታ ማሕበር ኾይኑ። ናይ ካልኦት ግዱሳት ጎስጓስ ተሓዊስዎ ኣብ ደገን ኣብ ወጻእን ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ጎኒ ማልት ዓሲሉ።

ታደሰ የማነ ድማ፡ ዳግማይ ኣርኣያ ዘሪሁን ክሳብ ክበሃል በቒዑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾነ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ 'ታ ማሕበር ክኸውን በቲ ንሱ ዝመርሖ ቦርድ ዕላዊ ምስ ኮነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓውሞ ኣልዒሉ።

ብፍላይ ምስ ትካላዊ ነጻነትን ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ክለዓሉ ቐንዮም። ካልኦት ደማ፡ ኣብዝሓ ገለ ደገፍቲ ህወሓት፤ ናይቲ ዝተሾመ ውልቀ ሰብ ዝፈልጥዎ ብቕዓትን ውጽኢታዊነትን እናመስከሩ፡ 'እንታይ'ሞ ጸገም ኣለዎ" ዝብል ድምጺ ከስምዑ ተራእዮም።

ታደሰ የማነ ሓዊሱ፡ እቶም ኣባላት ቦርድ፡ ኣብ መርገጺኦም ጸኒዖም ነቶም ዝቐረቡ ስክፍትታትን ተቓውሞታት ክከላኸሉ ተስተውዒሎም።

ዝተረፉ ግን ተቓውሞኦም ቀጺሎም፡ ናብታ ማሕበር ዕላዊ ደብዳበ'ውን ኣእትዮም።

ገብረህይወት ሓድሽ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮሌጅ ሕጊን ምሕደራን መምህር ሕጊ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ዩኒቨርሲቲ ከይ ዩ ሉቨን፡ ንዶክተሬይት ይመሃር ኣሎ።

"ኣነ'ውን እቲ ውሳነ ምስ ሰማዕኩ ሰንቢደ" ይብል ንቢቢሲ።

ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ውድብ ቀንዲ ናይቲ ማሕበር ፈጻሚ ስራሕ ገይርካ ምሻም/ምምዛዝ፡ ነጻነት ናይታ ማሕበር ከምዝዳፋእ እዩ ዝኣምን።

ገብረህይወት፡ እቲ ውሳነ ብብርኪ ሃገር ምስ ዝወጽአ ኣዋጅ ነጻ ማሕበራት'ውን ከምዝጻባእ እዩ ዝገልጽ። ዓንቀጽ 2 እቲ ከም ብሓድሽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ 1113/2019፡ ብዛዕባ ሓደ 'ሲቪል ማሕበረሰብ' ዝበሃል "ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ነጻ ዝኾነ" ክብል እዩ ዝገልጾ።

ዓንቀጽ 16 (7) ድማ፡ "ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዲሞክራስያዊነት ዝተኸተለ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ነጻን ገለልተኛን ክኸውን ይግባእ" ይብል።

ታደሰ የማነ፡ 'ብሕገ ደንቢ'ቲ ማሕበር' ይውስን ዝብል ዓንቀጽ 19'ቲ ኣዋጅ ጠቒሱ፡ "ብመተሓዳደሪ ደንቢ መሰረት ኢና ፈፂምና" ዝብል ምላሽ ሂቡ እዩ። ኣብ ሕጊ፡ ክፍተት የለን ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

ብርግጽ፡ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ገብረህይወት፡ እቲ ማሕበር ዝደለየ ሕገ ደንቢ እንተውጽኣ፡ ምስ'ቲ ሃገራዊ ኣዋጅ ዝቃረን እንተኾይኑ፡ ብሱሩ'ውን ከሰርዞ ዝኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ምናልባሽ፡ ኣብቲ ሓድሽ ሃገራዊ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት፡ ንናጽነት እዘን ማሕበራት ዝምልከቱ ሓደሽቲ ዓንቀጻት ስለዝተወሰኹ፡ መተሓደዳሪ ደንቢ ማልት ምስኡ ዝሳነ ምኳኑ ክፍተሽ ከምዘለዎ ድማ ይሕብር።

እታ 'ዳግማይ ኣርኣያ' እትብል ሳጓ እናሰኣና ዝመጽአ ዘሎ ዝመስል ኣይተ ታደሰ፡ ነዚ ክትዕ'ኳ እንተዘይተቐበሎ፡ "ኩላትና ዘሰማመዐና ዝመስለኒ ናይዚ ኹሉ ቀንዲ መተሓዳደሪ ደንብና ብፅፈት ይመሓየሽ ዝብል እዩ" ክብል ግን እቲ ጌጋ ካበይ ከምዝምንጩ ዝኣንፈተ ይመስል።

ገለ ኣባላት እቲ ቦርድ ድማ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓት እዮም ተባሂሎም'ውን ስለዝሕመዩ፡ ምምሕያሽ እቲ ሕገ ደንቢ ንኹሉ ፍታሕ ክህብ ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ።

ካልእ ኣባል እቲ ቦርድ መምህር ሃንሳ ተኽላይ፡ "ናብ ውልቃዊ ኣለሻ [head hunting] ዝኣተናሉ ምኽንያት፡ በቲ ኣሰራረሓ መሰረት ክፍቲ ናይ ሰራሕ ቦታ ኣውጺእና፡ ዘዕግብና ሰብ ስለዘይረኸብና እዩ" ትብል ንቢቢሲ።

"ርግጽ፡ እቶም ነቲ ቦታ ይምጥኑ እንብሎም ሰባት በዚ ደመወዝ ክሰርሑ እዮም ኢልና ኣይኣመናን። ምናልባሽ፡ ንእሽቶ ስለዝሃጸጽና ጌጋ ፈጺምና ንኸውን" ትብል። እንተኾነ፡ ንሳ'ውን እቲ ዋና ስራሕ ፈጻሚ ኣባል ህወሓት ምዃኑ ከምዘየሰክፋን፡ እቲ ቦርድ ስለዝቆጻጸሮ ዘስዕቦ ጸገም ከምዘይህሉን እያ ትኣምን።

ገብረህይወት ግን፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ካልኦት ዓድታት ብጣዕሚ ኣቕሊልካ 'ውን ከምዘይረአን ናይ ጥቕሚ ግጭት ከምዘስዕብን ይዛረብ።

"ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ጥቕሚ ግጭት እንትበሃል፡ ብግብሪ ጥራሕ እዮም ዝሓስቡዎ ዘለዉ። ዋላ እውን ብተግባር ናይ ጥቕሚ ግጭት እንተዘይተራእየ [Potential conflict of interset] ብኣተሓሳስባ ደረጃ ጥራሕ ጥርጣረታት ስለዘስዕብ፡ እቲ ትካል ድጋፍን እምነትን ኣባላቱ ከምዝስእን ክገብሮ ይኽእል እዩ" ይብል።

"ብጭቡጥ'ውን፡ ሓደ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ንዝመርሓ ትካል ከመይ ገይሩ ናብ'ቲ ናይ ውድብ ረብሓ ከምዘውዕሎ እቲ ህዝቢ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።"

ዓንቀጽ 62'ቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናይ ጥቕሚ ጎንጺ ዘስዕብ ዝኾነ ነገር ከይፍጠር ጥንቃቐ ክግበር ይሓትት እዩ።

ስለምንታይ ሕዚ?

ድሕሪ ሕልፈት ኣርኣያ ዘሪሁን፡ ተኸታተልቲ ዋና ፈጻምቲ ስራሕ'ታ ማሕበር ካብ ኣመራርሓ ህወሓት ኮይኖም'ዮም ጸኒሖም።

እቲ ውድብ፡ ባዕሉ ዘይቆጻጸሮ ዝኾነ ነጻ ማሕበር እንተሪኡ ይስንብድ ነይሩ ይብልዎ፡ ናይ 3 ዓሰርተ ዓመታት ጉዕዞ ዘስተውዓሉ ተዓዘብቲ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብዝሓ ማሕበራት ሓፋሽ ኮና ሚድያታት ናይቲ ውድብ ጽግዕተኛታት ኮይነን እየን ጸኒሐን። ነቲ ሰልፊ ዘይድግፋ እንተዘይኮይነን ዕድመአን ሓጺር እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ 1993 ዓ/ም ሓንቲ ወጋሕታ እትብሃል ጋዜጣ ነይራ። ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ ህወሓት፡ ትነቅፍ ዝነበረት ናይ ትግርኛ ጋዜጣ እያ።

ካብኡ ኣጋውሎኣ ዘይማእመኦም ሰባት፡ 'ጽልግልግ' ዝብል ስም ኣውጺኦምላ። እታ ኣሰናዳኢት ብርሃን ሃይሉ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ጸቕጢ በጺሕዋ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከኣ ካብ ዓዲ ክትወጽእ ከምዝተገደደት ትዛረብ።

እታ ጋዜጣ 'ውን ኣብ ሓደ ዓመታ ብኣ ኣቢላ ቅሂማ። ብድሕሪኣ'ውን ብዙሓት ፈቲነን ቅሂመን።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መናእሰይ ኩሎም ናይ ህወሓት መሳርሒ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም ይብል ገብረ ህይወት። "ኣብ ትግራይ ዘለዋ ሓፋሽ ማሕበራት ብቐጥታ ብኣባላት [ህወሓት] ዝምራሓ እየን"።

ገለ ካብቲ ውድብ ዝሓስቦ መገዲ ውጽእ ዝበለ ምትእኽኻብ፡ ናይ ጸላኢ መሳርሒ ገይርካ ናይ ምቑጻር ዝንባለታት ልሙድ እዩ ነይሩ። ዘጽልእን ዘካፍእን ኣስማት ከኣ ይልጠፍዎ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ የካቲት 2009 ዓ/ም ዝተኻየደ 45 መዓልታት ዝወሰደ ገምጋም፤ ባዕሉ ውድብ ህወሓት 'ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣተሐሳስባት ዓሲሉኒ ነይሩ' ኢሉ ገምጊሙ እዩ። ሓደ ካብኡ፡ "ሓፋሽ ማሕበራትን ሲቪክ ማሕበራትን ብነጻነት ከይንቀሳቐሳ ዓምጺጽና ተቖጻጺርናየን ጸኒሕና" ዝብል ብርቱዕ ሓሳብ ድማ ይርከቦ።

ብድሕሪኡ፡ መጠናኛ ምምሕያሽ ተራእዩ። ፈለማ ከም ጸላእቲ ተበይነን ዝነበራ፡ ከም በዓል 'ሰብ-ሕድሪ' ዝኣመሰላ ነጻ ማሕበራት ብነጻነት ክንቀሳቐሳ ጀሚረን።

ሕዚ ኣብ ማልት ዝተረአየ ክስተት ግን፡ 'ንምዃኑ እቲ ውድብ ብእማን ተለዊጡ ድዩ?' ዝብል ዓበይቲ ጥርጣረታት የልዕል ኣሎ። መንእሰይ እውን ዓው ኢሉ ይዛረብ ኣሎ።

ገብረህይወት፡ ብኽልተ መልክዕ እዩ ዝርእዮ። ሓደ፡ ካብቲ ናይ'ቲ ውድብ ገምጋም ተልዒሉ፡ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ። ካልኣይ ድማ፡ እቲ መንእሰይ ሕዚ ደፊሩን ዓው ኢሉን ምዝራብ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ናይቲ መንእሰይ ንቅሓት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ላዕለወት ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ'ውን ዝተረኸብሉ፡ ኣብ መቐለ ሓደ ዕውት ዝበሃል መድርኽ መተኣኻኸባቢ ገንዘብ ተዳልዩ ነይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ሓደ፡ ኣቦ ወንበር ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ከምዚ ክብል ስክፍትኡ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

"ዝበዝሕ ግዘ እቲ መንግስቲ፡ ልምዓት ኮነ ኩሉ ነገር ብኢዱ ክሓልፍ እዩ ዝደሊ፤ ብኡ ኣቢሎም ድማ ንፖለቲካዊ ሃልክትታት እዮም ክጥቀምሉ ዝደልዩ። እቲ ሕዚ ዘሎ ግዝኡ ዝሓለፎ መሓውር መንግስቲ ሒዝካ ምስራሕ'ዶ ይከኣል?" ዝብል።

እቲ ዝተምሃረሉ ኮሌጅ 'ኤም ኣይ ቲ' ምዕጻዉ ወይ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምልጋቡ፡ ዘሕዝኖ መንእሰይ ተክሊት ሃይላይ፡ እቲ ውሳነ ሙሉእ ንሙሉእ ፖለቲካዊ ነይሩ ይብል።

'ንምንታይ?' ንዝብል ሕቶ፡ "ንዓይ ከምዝተረደአኒ፡ 'ከምቲ ዝደለናኩም ኣይኮንኩምን 'ካድራዊ ባህሪ ኣይሓዝኩምን' እዩ" ኢሉ። እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ'ቲ ቦርድ ድማ እንተዘይተቐይሩ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ምልዕዓል ንሓዋሩ ከዕንቅፎ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"ዓብዪ ስግኣት እዩ ዘለኒ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡ ከም ተጋሩ ንእሽቶ ጌጋ'ውን ንምቕባል ድልውነት የለን" ይብል።

ማልት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቅድሚ 30 ዓመት ብግዱሳት ተጋሩ ካብ እትምስረት ጀሚራ፡ ድሕረትን ድኽነትን ንምቕራፍ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርት ጥዕናን ኣትኲራ እያ ሰሪሓ።

ህንጸት ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት ጥዕናን ትምህርትን ሃኒጻ።

ሕዚ'ውን 'ስቴት ዩኒቨርሲቲ ትግራይ' ከይተረፈ ንምህናጽ ትህቅን ኣላ።