እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትካል መፅናዕትን ምርምርን ትግራይ: ንምንታይ?
ዙፋን ንግስነት ዝውነነ ውድብ ህወሓት ውሽጠይ ኣይጠዓየን ኢሉ እንትግምግም ጉዳይ ምሁራት ኣልዑሉዎ እዩ::
ምሁራት ኣማኺርና ኣብ ምስራሕ ጉድለት ነይሩና እንትብል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተነሲሁ:: ፀገምና ክፍወስ ድማ ደጊም ቃልና ትኹን ምስ ምሁራት ከይተማኸርና ኣይንሰርሕን:: ንምሁራት ክነቕርብ ኢና ብምባል ተመፃቢዑ::
ብመሰረት እቲ መፅበዓ: ካብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያ ዝተዓደሙ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ምሁራት ኣብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ገዛ ዓፅዮም ዘትዮም::
ቅድሚ ሎሚ እዝኒ ብዘይምሃብ ዝሕመዩ መራሕቲ ህወሓት ብስነ ስርዓት ኮፍ ኢሎም ዘረባ ሊቃውንቲ ይሰምዑ ምንባሮም ሰሚዕና ኢና::
ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ዶክተር ኣርኣያ ኣብርሃ ይበሃሉ:: ዶክተር ኣርኣያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ላዕለዋይ ክኢላ ሕብረተሰባዊ ጥዕና እዮም::
ዶክተር ኣርኣያ: "ቅድሚ ሎሚ ዝቕበለና ኣይህሉን ብምባል ብዙሓት ምሁራት ውፅኢት ምርምሮም ሒዞም ናብቶም ፖለቲከኛታት ኣይኸይዱን ነይሮም:: እዚ ብግልፅነት ተዘራሪብናሉ ኢና:: ክቕፅል ኣለዎ" ኢሎም::
ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብፖለቲካዊ ዓፅሚ ተለልዮም ዝመፅኡ እንተይኮኑስ ብዘለዎም ምሁራዊ ዓቕሚ ክሕግዙ እዮም ተባሂሎም ብሃበ ተረኽበ ከምዝተዓደሙ እቶም ምሁራት ይገልፁ::
"ምሁራት እንታይ ኮን ይብሉና ኢሎም ናፃ ሓሳብ ምሁራት ንምስማዕ ክንዛተ ምዕዳሞም ፅቡቕን ዝተፈለየን ነገር እዩ" ብምባል ዶክተር ኣርኣያ ነቲ ተበግሶ ይንእዱ::
ብኻልእ ገፅ ግና መንግስቲ ትካል ምርምርን መፅናዕትን ትግራይ ክጣየሽ ንዝብል መበገሲ ሓሳብ ዶክተር ኣርኣያ ባህ ኣይበሎምን::
"ሓዱሽ መፅናዕቲ የድልይ እዩ ኢለ ኣይኣምንን:: ፀገማትና ንፁራትን ኩልና እንኮላይ መራሕትና ንነብረሉ ዘለና እዩ:: ዩኒቨርሲታትን ትካላት ምርምር ብዙሕ መፅናዕትን ምርምርን የካይዳ እየን:: ሕዚ ተመሊስካ ተደራቢ ትካል ምጥያሽ ፅቡቕ መፍትሒ ኮይኑ ኣይረአየንን" እንትብሉ እቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ከምዘይጠዓሞም ይነቕፉ::
ዶክተር ኣርኣያ: የግዳስ መማኸሪ ትካል ምጥያሽ እዩ ዝምረፅ ብምባል ሓሳቦም ይህቡ:: "እምበር እቲ ካብ ብሕዚ ዝጣየሽ ትካል ነተን ኣብ ስራሕ ዝርከባ ዩኒቨርሲታትን ትካላት ምርምርን ዝትክእ ክኸውን የብሉን ብምባል ሓሳቦም የተርንዑ::
ዶክተር ኣብቲ ዘተ ዝተገንዘብዎ ሰናይ ሓሳብ ይገልፁ:: "እቲ ዝተመሃረ ወገን ዕድል እንተረኺቡ ንህዝቢ ንምጥቃም ሰናይ ድልየትን ልዑል ሃንቀውታን ከምዘለዎ ተገንዚበ:: ካብ ዕድመይ መራሕቲ ኣብ ኣደራሽ ኮፍ ኢሎም ሓሳብ ምሁራት ከዳምፁ ምርኣየይ ዓብዪ ቁዉም ነገር እዩ:: እቲ ምሁር እውን ውፅኢት መፅናዕቱ ነቶም ፖሊሲ ዝሕንፅፁ ፖለቲከኛታት ብዝጥዕም ከቕርብ ከምዝግበኦ ድማ ብልቢ ኣስተብሂለ ኣለኹ" ኢሎም::
ቅድሚ ሎሚ ፖለቲካዊ መራሕቲ መፅናዕቲ ኣብ ዝቐርበሉ ኣደራሽ ተረኺቦም ዋዕላ ክኸፍቱን ክዓፅዉን እምበር ኮፍ ኢሎም ክሰምዑ ኣይረአናንብምባል ከምዚ ዝበለ ተግባር ንኸይቕፅል ተማሕፂኖም::
ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው ሓደ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያ ጥዕና ኣደታት ዝወፈሩ ላዕለዋይ ክኢላ ጥንስን ማህፀንን እዮም::
"ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ርኡይ ለውጢ ተምዝጊቡ እዩ:: ብኣንፃሩ ኸዓ ኣብቶም ክልተን ሰለስተን ዓማውቲ ደውታ ተራእዩ ኣሎ:: እዚ ድማ ሓዱሽ ኣመራርሓን ለውጢ ኣካይዳን ዝጠልብ ኮይኑ ተረኺቡ" ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ዝዝትይ ዋዕላ ኣገዳስነት ከምዝህልዎ ገሊፆም:;
መፅናዕቲ ኣካይድካ ናብ ፖሊሲ ተዘይተቐይሩ ትርጉም ከምዘይብሉ ርእይቶ ዶክተር ኣማኑኤል ይሕብር::
ብመፅናዕቲ ዝረኸብካዮ ውፅኢት ናብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ልምዓት ተዘይተሸሪፉ ንባዕልኻ ኢኻ ትፅሕፍ ዘለኻ እምበር ካብኡ ዝኸደ ትርጉም ኣይህልዎን እውን ኢሎም::
"ኣብ ፖለቲካዋ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ዋላ እውን ዘንጊዖም ጌጋኦም ኣሚኖም:: ብድሕሪኡ እቲ ፀገም ክፍታሕ ብሓባር ንስራሕ ምባሎም ብቕንዕና እየ ዝርእዮ:: ካብ ዘይምስራሕ ዘንጊዕኻ ምብርባር ይምረፅ" እንትብሉ ትስፍው መንፈሶም ኣንፀባሪቖም::
"ሃገር ብምሁራን እያ ትቕየር:: እቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዘስርሕ ባይታ ጥራሕ እዩ ከጣጥሕ ዝግበኦ" ይብሉ ዶክተር ኣማኑኤል።
ንሶም ብወገኖም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሞያኦም ተደሪኾም መፅናዕቲ ከምዘካየዱ ኣዘኪሮም:: ካብቶም ዘካየድዎም መፅናዕቲ ዝተተግበሩ ኣለዉ ዘይተተግበሩ እውን ከምኡ ብምባል ዝነበሮም ሞያዊ ተሳትፎ ይገልፁ::
"ኣብዚ ሰዓት'ዚ ተስፋ ትቖርፀሉ ኣይኮነን:: እቲ ካልእ ኣማራፂ መገዲ ፀልማት እዩ" ኢሎም ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው::
መንግስቲ ወላ እውን ባዕሉ ፀገማቱ የልዕል እምበር ኣብ ባዕልና እውን ግና ምትፍናን ዝተመልኦን ፅልኣት ዘለዎን ፀገማት ኣለዉና ብምባል እቲ ፀገም ንፖለቲካዊ መራሕቲ ጥራሕ ዝሕደግ ከምዘይኮነ ሕብረተሰብ እውን ከምዝምልከቶ ገሊፆም::
"ንሓደ ሕድና እናተጠራጠርናን ብምጥቕቓንን ኣብ ንበፅሖ የብልናን:: ከም ህዝቢ ዘጥፋእናዮ ጉዳይ ከምዘሎ ንእመን" ኢሎም ::
ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብወገኖም መንግስቲ ምስ ምሁራን ንምዝታይን ንምምኽኻርን ተበግሶ ምውሳዱ ቅኑዕን ንቐፃሊ እውን ክስረሐሉ ዝግባእ ኣንፈት እዩ ብምባል ትስፍው ርእይቶ ኣንቢሮም::
"ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ፅቡቕ ዓቕሚ ተፈጢሩ እዩ:: እቲ ዓቕሚ ድማ ኩለመዳይ እዩ:: ስለ'ዚ ምስቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ኮይንና ናብ ልምዓትን ለውጥን ንእተው ምባል ሰናይ ሓሳብ እዩ" ብምባል በቲ ዘተ ዘለዎም ዕግበት ገሊፆም::
ተግባራዊ ውፅኢት ኣብ ምምፃእ ድማ ናይ ኩሉ ፃዕሪ የድሊ:: ልዕሊ ኩሉ ተወፋይነት ብግድን ክህልው ኣለዎ ብምባል ሃዬ ደኣ ዘድምፅ ርእይቶ ሂቦም::
"እቲ ዘረባ ታራ ዘረባ ኮይኑ ንኸይተርፍ እቲ ምሁር መንፈስ በዓል ዋናነት ተሰሚዕዎ ለውጢ ክነምፅእ ኢና: እቲ ለውጢ ድማ ንደቅናን ደቂ ደቅና እዩ ኢሉ ተወፍዩ ክሰርሕ ይግባእ" ኢሎም ፕሮፌሰር ምትኩ::
ሓድ ሕድና ንመን ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢልና ንሕተት ብምባል መበራበሪ ሓሳብ ሂቦም::
"እዚ ድማ ካብ መንፈስ ጏናነት ወፂእኻ እዩ ዝስራሕ:: ቅድሚ ሎሚ እውን እኮ ብዙሕ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ፈርዩን ኣገልጊሉን እዩ" እንትብሉ መዘከሪ ሓሳብ ሂቦም::
ኣብቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዘተ ምስ ምሁራን ገዳይም መራሕቲ ውድብ ህወሓት ተረኺቦም እዮም::
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ሓፂር መግለፂ ሂቦም::
ዶ/ር ደብረጽዮን "መንግስቲ ፀገማቱ ብገምጋም ኣነፂሩ'ሎ:: መፍትሒኡ ድማ ኣብ መፅናዕቲ ክምስረት ግድን እዩ:: ከም ውፅኢቱ ከዓ ኣብ 15 ዓውድታት ልምዓት መፅናዕቲ ክካየድ ኣብ ብውሽጢ ሃገር 62 ከምኡ'ውን ካልኦት ካብ ሃገር ወፃኢ ዝርከቡ 25 ምሁራት ዝሳተፍሉ ውራይ መፅናዕቲ ተጀሚሩ'ሎ" ኢሎም::
ብተወሳኺ "ትካል መፅናዕትን ምርምርን ትግራይ እውን ክጣየሽ እዩ" እንትብሉ ሓቢሮም:: ብፍላይ ኣብ ምንካይ ድኽነት ለውጢ እኳ እንተሃለወ ስሉጥ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ::
ኣብዚ ምሁራን ብኸመይ ክሕግዙና ከምዝግባእ ተዛቲና:: ካብቶም ክፅንዑ ተነፂሮም ዘለዉ ዓውድታት ልምዓት ጉዕዞ ለውጥን ስግግርን ህያው ንምግባር ብፍላይ ትካላዊ ለውጢ ኣብ ምምፃእ: ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝህልው ለውጢ ብኸመይ ይጋሃድ::
ከምኡ እውን ኣብ ፅርየት ትምህርትን ጥዕናን ርኡይ ዓወት ንምምዝጋብ ብምሁራት ተፀኒዑ ክቐርብ ተሰሚሩሉ እዩ::