ኣሜሪካ፡ ናይ ደም ፕላዝማ ሕክምና ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ፈቒዳ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ትካል ቁፅፅር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ (FDA)፡ ናይ ደም ፕላዝማ ብኮሮናቫይረስ ንዝሓመሙ ሰባት ንምሕካም ክውዕል ፈቒዱ።

እዚ ናይ ደም ፕላዝማ ሕክምና፡ ቅድሚ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ካብ ዝሓወዩ ሰባት ዝውሰድ እንትኸውን፡ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት በዚ መገዲ ተሓኪሞም እዮም።

ፕረዝደንት ትራምፕ እዚ ዓይነት ሕክምና፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ የጋጥም ንዘሎ ሞት ብ 35 ሚእታዊት ክንክይ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ትራምፕ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ቁፅፅር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ (FDA) ሓደሽቲ ክታበታትን ኣፋውስን ኣብ ጥቕሚ ከይውዕሉ ብፖለቲካዊ ሃልኪ የተዓናቕፍ ኣሎ ኢሉ ምኽሳሱ ስዒቡ እዩ፡ እቲ ትካል ነዚ ውሳነ ኣሕሊፉ ዘሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ንካልኣይ ዙር ኣብ ዋይትሃውስ ንምፅናሕ ጎስጓስ ኣብ ዝጅምረሉ ድሮ ኣኼባ ሪፐብሊካን እዩ፡ ናይ ደም ፕላዝማ ሕክምና ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክወሃብ ብወግዒ ተገሊፁ ዘሎ።

እቲ ፕረዝደንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ " እዚ ንነዊሕ ግዘ ክእልሾ ዝፀናሕኩ እዩ።

ናይ ቻይና ቫይረስ ንምምካት ኣብ ንገብሮ ዘለና ውግእ፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ብስራት (መደረ) እንተስምዕ ሕጉስ እየ። እዚ ሕክምና ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ከድሕን እዩ" ኢሉ።

ብርቱዕ ፈውሲ ብምባል ነዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ሕክምና ዝገለፆ ፕረዝደንት ትራምፕ፡ ኣሜሪካውያን እንተድኣ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ድማ፡ ፕላዝማ ክልግሱ ተማሕፂኑ።

ቁፅፅር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ (FDA)፡ ናይ ደም ፕላዝማ ሕክምና፡ " ኣብ ህፁፅ ኩነት" ኣብ ሆስፒታል ንዝርከቡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንክወሃብ እዩ ፈቒዱ ዘሎ።

እቲ ሕክምና፡ ኣብ ፈላሞት ሰለስተ መዓልታት፡ ናይ ሞት ዕድል ብምንካይ ናይቲ ተሓካሚ ጥዕና ከምዘመሓይሽ፡ ቅድም ክብል ዝወፅኡ መፅናዕትታት ከምዘረጋገፁ ሓቢሩ።

ሕዚ እውን ግና ውፅኢታውነቱ ንምርግጋፅ ተወሰኽቲ ፈተነታት ከምዘድልዩ ተገሊፁ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብዘካየዶ ምርመራ ናይ ፕላዝማ ሕክምና ጉድኣት ከምዘይብሉን ካብ ሳዕቤኑ ጥቕሙ ከምዝዛይድን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ፡ ንኣባል ግብረሓይሊ ምክልኻል ኮሮናስቫይረስ ዋይት ሃውስ ዝኾነ ኣንቶኒ ፋውቺ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ክኢላታት ሓሳብ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም እዮም።

ኣብ ኣሜሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንነዘ ልዕሊ 176 ሽሕ ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ኣስታት 5.7 ሚልየን ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ይግለፅ።