እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ናይ ዓለምና እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ’ ሞይቱ
ኣብ ዓለምና እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ ምንባሩ ዝእመነሉን ወዲ 116 ዓመት ከምዝኾነን ዝግለጽ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሞይቱ።
ስሙ ፍሬዲ ብሉም እዩ ዝበሃል። ንመንነቱ ዝገልጹ ሰነዳት ከምዘርእይዎ፡ ጉንበት 1904 እዩ ተወሊዱ።
እንተኾነ፡ ስሙ ኣብ ዓለማዊ መዝገብ ክብረወሰናት (ጊነስ ወርልድ ሪከርድስ) ኣይተመዝገበን ጸኒሑ።
ገና ቆልዓ እንከሎ፡ ኩሎም ስድርኡ በቲ ኣብ 1918 ዘጋጠመ ለበዳ “ስፓኒሽ ፍሉ” ተወዲኦም።
ንሱ ግን፡ ክልተ ኩናታት ዓለም ርእዩስ፡ ዘበን ኣፓርታይድ እውን ኣሕሊፉ።
ፍሬዲ ብሉም ብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ዕድምኡ ከምዚ ንክነውሕ ዝኾነ ፍሉይ ምሽጥር ከምዘይብሉ እዩ ገሊጹ ነይሩ።
"ሓደ ሚስጥር ጥራይ ኣሎ - እቲ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ዘሎ [ኣምላኽ]። ንሱ እዩ ኩሉ ዝከኣሎ። ኣነ ደኣ እንታይ ኣለኒ? ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክወድቕ እኽእል ነይረ፡ ንሱ ግን ሒዙኒ” ኢሉ ነይሩ።
ፍሬዲ ብሉም ንመብዛሕትኡ ዕድመኡ፡ ፈለማ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ፋብሪካ ሸቃላይ ኮይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ።
ኣብ 80ታት እዩ ጡሮታ ወጺኡ።
መስተ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ደው ኣቢሉ’ኳ እንተነበረ፤ ሽጋራ ግን ይስሕብ ነይሩ።
ስድርኡ ከምዝበልዎ፡ ብቀዳም እዩ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ዓሪፉ።