'ኣቦይሲ ኣብቲ ጸላም ማእሰርቲ...' ኤፍሬም ብርሃነ ኣብረሀ

ሕቡራት ሃገራት፡ "ንሰብ ምስቓይ ገበን'ዩ" ይብል። ንወዲ ኣዳም ኰነ ኢልካ ምስቓይ፡ ንሰብኣዊ ባህርያቱ ይዅን መንነቱ ምጭፍላቕ ገበን እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መፈጠራዊ ክብሪ ወዲሰብ ምንፋግ ከም ማለት'ዩ።

ዋላ'ኳ ብኣህጕራዊ ሕጊ፡ ሰብ ምስቓይ ዓቢ ገበንን ፍጹም ክልኩልን ይዅን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸም ምስቓይ ግን ካብ መላእ ዓለምና ኣየልገሰን።

ብጉልባብ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻል ልዑላውነትን ብዙሓት ሰባት ኣብ ኢድ ጨቘንቲ ስርዓታት ይወድቁ'ዮም፣ መግስታት ከኣ ሓጥያቶም ምእንቲ ክሽፍኑ ከም ምኽኒት ዝጥቀምሉ ስልቲ'ዩ።

ብ 12/12/1997፡ ብውሳነ 52/149 ኣቢሉ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ. ን26 ሰነ ኣህጕራዊ መዓልቲ ግዳያት ስቓይ ክኸውን ኣወጀ።

ኰይኑ ድማ አህዛብ ዓለም ንዅሎም ግዳያት፡ ብሓባር ዝዝክርሉን ብጨካን ኣተሓሕዛ እሱራት ንዝገፍዑን ዘይሓላፍነታውያን መግስታት ዓለም ዓገብ ዝብልሉን መዓልቲ'ዩ።

እዛ ዕለት እንተስ ብዓቢ እንተስብ ብንኡስ፡ ብዝተፈላለየ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሒ ዝጠልቡ ማሕበራት፡ ስድራቤት እሱራት ኮነ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ክትበዓልን ክትዝከርን እያ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት፡ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ንኣብነት ኣብ ብ2019 ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት ብዝተፈጸሙ ግህሰታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል እውን ኣብ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ግህሰታት ብቐጻሊ ጸብጻቡ የቕርብ እዩ።

ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (ስተይት ዲፓርትመንት) እውን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብዙሕ ኣካቲዑ'ዩ።

ፍሉይ ራፖርተር ው.ሕ.ሃ. ብዛዕባ ግህሰታት መሰል ወድ-ኣዳም ኣብ ኤርትራ ዘውጽኦ ናይዚ ዓመት ጸብጻቡ (A/HRC/44/23) ኣብ ኤርትራ ጸገማት ኣሽኰንድሮ (ክልበታ) ከም ዘሎ ይሕብር።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ከምቶም ዝሓለፉ ዓመታት፡ መሰላት ዜጋታት ኤርትራ ብመንግስቲ ብሕማቕ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ኣብ መዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ከኣ ምዕባለታት ከም ዘየለዉ ገሊጹ።

ንኣብነት ጸብጻብ ፍሉይ ራፖርተር፤

"...ብነሓሰ 2019፡ ንምፍታሕ ኣልማዝ ሃብተማርያም፡ በዓልቲ ቤቱ ንብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ሓንጐፋይ እናበለ ይቕበሎ። በንጻሩ ከኣ ብሃለዋት ማእሰርቲ ናይቲ ብዕድመ ዝደፍአን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጥዕና ዝርከብ በዓል-ቤታ ይሓትት። ብርሃነ ኣብረሀ "ሃገረይ" ዘርእስታ ንመንግስቲ ኤርትራ እትነቅፍ መጽሓፍ ብምጽሓፉ'ዩ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኣትዩ ተሸሪቡ" ይብል።

እዚ ጽሑፍ ነታ ብክልተ ክፋላት ዝተሓትመት "ኤርትራ ሃገረይ" ዘርእስታ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ዝደረሳ መጽሓፍ ኣይኰነን።

እንታይ ደኣ፡ መጽሓፍ ጽሒፍካ ተባሂሉ በቲ ነቐፌታ ዘይጻወር መንግስቲ ተዳጕኑ ሃለዋቱ ዝጠፍአ ደራሲ ዝበጽሖ ዘሎ ስቕያት ንምጥቃስ'ዩ ይብል ጸሓፍን ተመራማርን ታሪኽ ዳዊት መስፍን።

እቲ ስቅያት ኣብ ደራሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ስድራ-ቤቱን ፈተውቱን'ውን ከም ዝተሰጋገረ ብምግላጽ።

ኤፍሬም ብርሃነ ኣብረሀ ሓደ ካብ ውሉዳት ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ እዩ።

ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣቦኡ ከኣ፡ "ነቦይ ወትሩ እየ ዝዝክሮ። ኣበይ ከም ዘሎ ግን ኣይፈልጥን ... ብህይወቱ ይሃሉ ኣይሃሉ ምንም ኣይፈልጥን'የ። ኣባላት እቲ መንግስቲ መታን ተስፋ ክንቆርጽ ግዲ ኢሎም ኰይኖም ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ ኣሎ ዝብል ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ይጠቕሱ እዮም።

. . . ግን ደሃዩ የብልናን። ኣባይን ኣብ ኣሕዋተይን ኣብታ ፈቃር ወላዲተይን ወሪዱ ዘሎ ሓዘን ከኣ ክገልጾ ኣይክእልን። ማእሰርቲ ኣቦይ ንዓይ ቀጻሊን ዘየቋርጽ ቃንዛ'ዩ" ይብል።

ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ወዲ ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኤፍሬም፡ ካልኣይ ዉላዱ ንብርሃነ ኣብርሀ'ዩ (ካብ ኣርባዕተ ደቁ)።

"ኣብ ኤርትራ፡ ማእሰርቲ ከም ንቡር'ዩ ዝሕሰብ" ይብል ኤፍሬም። ንሱ እውን ንባዕሉ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ተኣሲሩ እዩ።

ብዕድል ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸአ ግን ኣይጸንሐን ጠቕሊሉ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ወሲኑ-ገይሩዎ ከኣ።

ነዊሕ መገዲ ስደት ተጓዒዙ ኣብ 2017 ኣመሪካ ኣትዩ ብማእሰርቲ ስድራኡ እናተሳቐየ ይነብር ኣሎ።

"ንወዲ ሰብ፡ ካብ ሰብ ሰዊርካ ብኣግልሎ ምእሳር (ብኢንኮምዩኒካዶ) ክእሰር እሰምዕ'የ'ሞ ግን ኣይከም ናይ ኤርትራን። ሰብ'ዶ ንዓመታት ብመንግስቲ ተጨውዩ ይሽረብ'ዩ? ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ጭካነ ምርኣይ ንምንታይ የድሊ? ንሓርነቱ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ዝተቓለሰ ህዝቢ ሓርነት ክንፈጐ ኣይግባእን እዩ።

. . . እንሆ ኸኣ ኣነ ነቲ ዝኸፍአ ወረ ብዛዕባ'ቲ 75 ዝዕድመኡ፡ እሞ ኸኣ ጥዕና ዘይብሉ ኣቦይ እናተጸበኹ ነታ ብልጭልጭ እትብል ንእሽቶ ተስፋ ሒዘ እነብር ኣለኹ" ይብል ኣብ ድምጹ ብዝልለ መሪር ጓሂ።

ወሲኹ "ኵነታት ኤርትራ ቀስ እናበለ ክበርሃለይ ምስ ጀመረ ንነብሰይ ክሓታ ጀመርኩ። ኣብ ዙርያይ ዝነበረ ፊሑዅ ዘየብል ኵነታት፡ ብፍርህን ሓለዋን ተኸቢበ እነብር ከም ዝነበርኩ ምስ ተረድኣኒ ሰባት ኣብ ካልእ ሃገራት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ናጻ ሃዋህዉ ይነብሩ ከም ዝነብሩ እናበርሃለይ ከደ። ሓደ መዓልቲ ንቅዋም ኤርትራ ምስ ኣንበብኩ መሰል ዘይብለይ እሱር ምዃነይ ተረዳእኩ" ይብል ኤፍሬም።

ኤፍሬም፡ ካብ ኤርትራ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ንወለዱ ደሓን ኵኑ ከይበለ ብምውጽኡ የጣዕሶ።

ኵነታቱ ሕማቕ ስለ ነበረ ግን ሞሊቑ'የ ጠፊአ ይብል።

ኣብ ካምቦቦሎ'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ንደቂ ገዛውቱን መተዓብይቱን ይዝከሮም።

"እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጻእኩሉ እዋን ብዙሕ ሰብ ብስርቕ-ምርቕ ይስወር ብምንባሩ ኣይቀሰንኩን፡" ይብል ኤፍረም ብሳዕቤኑ ከኣ ንኣስመራ ከም ሰብ ድሓን ኵኒ ኢሉ ሕቘኡ ሂቡዋ።

እቲ ቐደም ኣስመራ ከመይ ከም ዝነበረት ኣቦኡ የዘንትወሉ ከም ዝነበረ ዝዝክር ኤፍረም፡ "ኣቦይ፡ ማፋ (ፋኛቱራ) ተዓቢሱ ጽርግያ ማይ ክመልእ፡ ቡምባ ማይ ክዕጾ፡ ሰብ ስራሕ ስኢኑ ዘዘው ክብል፡ ዕሙራት ዝነበሩ ደዀኵን ክሞቱ፡ ሰብ ሕልናኡ ኣዕሪቡ ጐሰስ ክብል ምርኣይ ኣይጻወሮን ነይሩ። ኣስመራ ክትጽልምት መብራህቲ ክተጠፍእ እንከላ ይበሳጮ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ከመይ የሕልፎ ከምዘሎ ክዝክሮ እንከለኹ የቐንዝወኒ እዩ" ይብል።

ግን ከኣ ተስፋ ኣይቆርጽን።

ኣቦይ፡ "እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እንርእዮም ዘሎና ተርእዮታት ንቡር ከም ዘይኰኑ ፍለጥ ... እቲ ንቡር መልክዑ ካልእ'ዩ ... ዝሓሸ መዓልቲ ክመጽእ'ዩ ... እዚ እትርእዮን እተሓልፎን ዘለኻ ህይወት ግን ሓላፊ'ዩ" ይብለኒ ስለዝነበረ እቲ ኣቦይ ዝናፍቖ ንቡር ህይወት ክርእዮን ምስ ኣቦይ ከስተማቕሮን እምነ" ክብል ባህጉ ይገልጽ።

ብርሃነ እንታይ እዩ ገይሩ?

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብረሀ ብኵነታት ሃገር ሕጉስ ስለ ዘይነበረ፡ ብ 2012 ንስራሕ መንግስቲ ገዲፉ ነብሱ ገሊሉ ይነብር ነበረ።

ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ግን ዝዕዘቦም ዝነበሩ ጕዳያት ክምዝግብ ጀመረ።

ብመሰላት ዜጋታት፡ በቲ ቅሂሙ ዝተረፈ ፓርላማ ኤርትራ፡ ንሚኒስትሪ-ፋይናንስ ጥሒሶም ዝስርሑ ዝነበሩ ስርሓት፡ በቲ ዝተወንዘፈ ሃገራዊ ቅዋምን ካልእን ኣብ መጽሓፉ ሓደ-ብሓደ ዘርዚሩዎም ኣሎ።

ንመጽሓፉ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህያብ ኣቕሪቡዋ።

ይብል ከኣ ..."ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘየወላውል ቀዳምነት ስለዝሃብኩ፡ ነቲ ውልቃዊ ምድራዊ-ሃብቲ ንኽድልብ ዘኽእል፡ ዘሎኒ ሓላል ዕቑር ዓቕመይ ተጠቒመ ከም መጠን ወላዲ ንስድራይ ብዘይ ምሕጋዘይ ዝበደልኩዎም ግን ከኣ ወትሩ ዘፍቅሮም በዓልቲ ቤተይን ኣርባዕተ ደቀይን ኣመስግን።"

ኣብ መወዳእታ እታ ንህልው ኵነታት ኤርትራ ብቓልዕ እትዛረብ መጽሓፉ መእሰሪቱ ኰይና ተሪፋ።

ብርሃነ፡ ነቲ ኵነታት ኣይፈርሆን። ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ እንከሎ'ዩ ነታ መጽሓፍ ኣሕቲሙዋ።

ብትብዓቱ ዝንእዱዎ ውሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ናይ ብርሃነ መጽሓፍ ነቶም ንኵነታት ኤርትራ ኣዝዮም ዝፈልጥዎ ቅድሚኡ ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ሓለፍቲ-ነበር፡ ታሪኾም ንኽጽሕፉ ከተባብዖም ይኽእል'ዩ፡ ይብሉ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ።

"እታ ሕያወይትን ፈቃርን ኣደይ ምስ ኣሰርዋ ዝተሰምዓኒ ሓዘን ወሰን ኣይነበሮም" ይብል ኤፍሬም።

"ኣነ ኣብ ኣስመራ ተኣሲረሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ሓንቲ ኣደ ምሳና ተኣሲረን ከም ዝነበረራ ይዝከረኒ ... ኣተሓሕዛ እተን ኣደ ሕማቕ ነበረ ... ብግዲ ኮምብላስዮነ ክኸድኑወን ... ከዲኖም ከኣ ንምርመራ ክወስድወን ክርኢ እንከለኹ ኣዝዩ የሕዝነኒ ነይሩ። ኣብ ወጻኢ ኮይነ ቅድሚ ማእሰርቲ ናይ ኣቦይ ማእሰርቲ ናይ ኣደይ ምስ ሰማዕኩ እቲ ስእሊ ናይተን እስርቲ ኣደ ከደቅሰኒ ኣይከኣለን" ይብል።

"ጸኒሖም ከኣ ንኣቦይ ኣሰሩዎ፣ ኣደይ ዓመትን ፈረቓን ኣሲሮም ፈቲሖማ ... እቲ ሕሳስ ልደ ሓወይ ናይ ኣደይን ኣቦይን ማእሰርቲ ብዓይኑ ርእይዎ'ዩ ... እንተ ኣነ ከም ሽዑ ገይረ ተሳቕየ ኣይፈልጥን። እቲ ዝዓበየ ግፍዒ ሽዑ'ዩ ተራእዩኒ፣ ንዓይ ግዳይ ስቅያት ምዃን ማለት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣደይ ዝተፈጸመ ግፍዒ'ዩ" ይብል ብሕርቃን።

" ከም ሰብ ብዛዕባ ስድራይን ንዓይ ዘጋጠመኒ ፍጻመን ጥራይ'ኳ እንተተዛረብኩ፡ ከምዚ ናተይ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን። ወለዶም፡ ደቆም፡ ኣሕዋቶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርድን ሃለዋትን ንኣስታት 20 ዓመትን ልዕሊኡን ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ቃንዛኦም ስለዝስመዓኒ ከኣ ንዅሎም በዛ መዓልቲ ኣንጻር ስቅያትን ማእሰርትን ጽንዓት ይሃብኩም ይሃበና እብል" ክብል ንመሰልቱ ደቂ እሱራትን ስድራ እሱራትን መልእኽቱ የመሓላልፍ ኤፍረም።