በዓልቲ ቤት ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሓ

በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ከምዝተፈትሐት ስድራቤታ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ወ/ሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 እያ ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

ስድራቤታ ከምዝበልዎ፡ ወይዘሮ ኣልማዝ ዝሓለፈ ሰሙን እያ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጺኣ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብዕለት 18 መስከረም 2018 ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ''ሃገረይ ኤርትራ" ትብል መጽሓፉ፡ ንኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ንፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብትሪ ከምትነቅፍ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ኣብቲ መጽሓፉ ምትእትታው ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉን ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክካየድን ይጽውዕ።

ሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይንገር።

ወ/ሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም፡ ቅድሚ ማእሰርቲ በዓል ቤታ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ጸኒሓ፡ ምኽንያት መእሰሪኣ ድማ ዛጊት ኣይተገልጸን።

ወ/ሮ ኣልማዝ ተጋዳሊት ክትከውን ከላ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተገልግል ከምዝነበረት ይፍለጥ።

ብርሃነ ኣብርሀ መን'ዩ?

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምሃር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብቁጠባዊ ምህንድስና ብማስተርስ ተመሪቑ፡ ኣብ 1975 ናብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ድሕሪ ምግዳል፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብምዃን ከምዝተመረጸ ይፍለጥ።

ኣቶ ብርሃነ ኣበርሀ ኣብ 2001 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኮይኑ ድሕሪ ምርቁሑ፡ ኣብ ጸብጻብ ኣታዊታት ቢሻ ግልጹነት ከምዘየለ ብምሕባር፡ ግልጹነት ንኽህሉ ሕቶ ስለዝዓለለ፡ ካብ ሚኒስትርነት ተኣልዩ ኮፍ ኢሉ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ።