እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንተመራመርቲ ዓለም ዘደንጸወ 18 000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኩርኩር ተረኺቡ
ተመራመርቲ ነቲ 18 ሽሕ ዝዕድሚኡ ኣብ ሳይቤርያ ዝተረኸበ ብበረድ ዝደረቐ ኩርኩር ከልቢ ወይ ተኹላ ምዃኑ ንምፍላጥ መጽናዕቲ የካይዱ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ክልተ ወርሑ ከም ዝሞተ ዝግለጽ ዘሎ ኩርኩር፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝሑል ዝኾነ ዞባ ሩስያ ምስ ጸጉሩ፣ ኣፍንጭኡ፣ ስኑን ሙሉእ ኣካሉን ተዓቂቡ እዩ ተረኺቡ።
ሰረት ዘርኢ እቲ ኩርኩር ተኹላ ወይ ከልቢ ምዃኑ ፈልዩ ከርኢ ግን ኣይከኣለን።
ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ ዘርኢ ናይቲ ኩርኩር፡ ኣብ መንጎ ተኹላን ዘመናዊ ከልብን ዘሎ ርክብ ዘርእይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
'ራዲዮካርቦን' ዝተባህለ ኣገባብ መርመራ፡ እቲ ከልቢ እንትመውት ዝነበሮ ዕድመን ካብ ዝመውት ክንደይ ከምዝገበረን ኣረዲኡ። ጾታ ንምፍላይ ብዝተገብረሉ ናይ መፈጠር (ጀኖም) መርመራ ድማ፡ ተባዕታይ ምዃኑ ኣርእዩ።
ተመራማሪ ዴቭ ስታንተን፡ ሰረት ዘርኢ ናይቲ ኩርኩር ኣቦ-ሓጎ ከልብን ተኹላን ካብ ዝነበረ እንስሳ ዝመጸ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
'' ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ሓበሬታት ረኺብና ኣለና፤ ኣይናይ እንስሳ እዩ ዝብል ንምፍላጥ ክትጽበዩና ኢኹም'' ኢሉ።
ካሊእ ተመራማሪ ላቭ ዳለን ብወገኑ፡ እቲ ኩርኩር ''ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተረኸቡ፡ ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ከልቢ'' ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
እቲ ርክበት ምዕባለ ኣኻልብ ብዝምልከት ብዙሓት ሕቶታት ክምልስ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኩርኩር ''ዶጎር'' ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ከም ዘሎን፡ ትርጉሙ ድማ ''መሓዛ'' ማለት እዩ።
ኣብ 2017 ዝወጸ መጽናዕቲ እንስሳ፡ ምልማድ ኣኻልብ ቅድሚ 20 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ተጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።