እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቶርፖት ናያሪክጎር፡ ዓሶ ብቐሊሉ ዝፈሊ መሳርሒ ዝመሃዘ ኢትዮጵያዊ
ቶርፖት ናያሪክጎር ሮምዶር ኣብ ክልል ጋምቤላ'ዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ኣሶሳን ኣዲስ ኣበባን ናይ ቐዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ተማሂሩ፤ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ግን ኣብ ጋምቤላ ዛዚሙ። ሕዚ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ኮምፒዩተርን ኤሌክትሪካልን ኢንጂነሪንግ ዩኒቨርሲቲ ዲላ'ዩ።
ቶርፖት፡ ሓው ብሕማም ዓሶ ከም ዝሞተ ይዝክር። ሓው ጥራሕ ዘይኮነ ግን፤ ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል በዚ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ቑጽሮም ልዑል ምኻኑ ይዛረብ።
እዛ ንኹሉ ኣቕሙ ኣልሚሳ ኣብ ዓራት እተውድቕ ሕማም ግን ከመይ ብቐሊሉ ክትጠፍእ ዘይክኣለት? ኣብ ኣእምሮ ቶርፖት ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ'ዩ።
"ኣብቲ ክልል ሓወይ ኣብ ዝሞተሉ ግዘ፡ ብዙሓት መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፡ ዓሶ ንምክልኻል ዛንዜራ የከፋፍሉ ነይሮም" ዝብል ቶርፖት፡ እቲ ጣቢያ ጥዕና'ውን ስድርኡ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ናይ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ እግሪ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
በዚ ምኽንያት፡ ቀልጢፍካ ሕክምና ምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ። ሓው በዚ ምኽንያት እንትሞት፡ እዚ ሕማም ወዲኡ ክጠፍእ ከም ዘለዎ ሓሲቡ።
ግን ከመይ? ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ግን ከ፡ ዓሶ ንኻልኣይ ግዘ ናብ ጓዳ ስድርኡ ኣትያ ሓደ ኣባል ስድርኡ ክትምንዝዖ ክጽበ ኣይደለየን።
ቶርፖት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ
ዩኒቨርስቲ ምስ ኣተወ፡ ፍልጠት ብዝረኸበ ቑጽሪ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ክበላሐተሉ ከም ዘለዎ ምሕሳብ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ሁዋዌ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ መጺኡ ንተምሃሮ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ሂቡ ነይሩ። ካብ ኣካዳሚ ሁዋዌ ስልጠና ምስ ወሰደ፡ ዝረኸቦ ፍልጠት ንምምዛን ፈተና ወሲዱ።
ኣይከበዶን፤ ሓሊፉ። ንሳቶም ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲዶምዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ካልኦት ሰባት ተወዳዲሩ፤ ሐዚ'ውን ተዓዊቱ።
ሽዑ ናብ ቻይና ክገይሽ ጉዕዞ ተዳልዩሉ፤ ሁዋዌ ናብ ዝነቆጠሉ ከተማ ሼንዘን ብምኻድ፡ ኣብቲ ትካል ዓበይቲ ቴክኖሎጂ ክርኢ ኽኢሉ።
በዚ ዕድመ ዝመጽኡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ነይሮም። እታ ከተማ ከመይ ብኔትዎርክ ዝተኣሳሰረት'ያ ዝብል ዝተዓዘበ እዚ መንእሰይ፡ ልቡ ዝሃስቦ 'ዓሶ ምክልኻል' ደረት ክትሕዝ ወሲኑ።
ካብ ቻይና ምስ ተመለሰ፡ ብዛዕባ 'ኣይኮግ ላብስ' ሰሚዑ።
ኣካያዲ ስራሕን መስራትን ኣይኮግ ላብስ ኣቶ ጌትነት ኣሰፋ፡ ከም ዝብሎ እቲ ትካል ቴክኖሎጂ 'ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ' ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ንምስፍፋሕ ዝሰርሕ ምኻኑ ገሊጹ።
ቶርፖት ዝተሳተፈሉ ውድድር ድማ አይኮግ ሶልቭ አይቲ (i Cog Solve IT) ዝተብሃለ ኮይኑ፡ ናይ ቁልዕነት ሕልሙ ንከዐውት መገዲ ዝኸፈተሉ'ዩ።
ምህዞን ቴክኖሎጅን
ቶርፖት፡ ሕልሙ ንምዕዋት ቴክኖሎጂ የማናይ ኢዱ ገይሩ ስርሑ ጀሚሩ። እቲ ምህዝኡ ድማ፡ 'ቶር ማላሪያ ዲቴክቲንግ ዲቫይስ' ክብል ሰይሙዎ።
"እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ምንኽኻእ ደም ዝረሓቐ'ዩ" ይብል። ናይቲ ሕሙም ኢድ 'ስካን' ብምግባር ጥራሕ ብሕማም ዓሶ ተጠቒዑ ድዩ ኣይተጠቕዐን ዝብል ምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒ'ዩ።
ከመይ?
"ብዓሶ ዝተጠቕዐ ሰብ ቀይሕ ደም ህዋሱ 'ባይ ኮንኬቭ' ዝኾነ ናይቲ ዋህዮ ቅርጺ፡ ብምኽንያት ፕላስሞዲየም ቕርጹ ይቕየር'ዩ። ኣብዚ እዋን፡ ብዓሶ ዝተጠቕዐን ዘይተጠቕዐን ሰብ፡ ሌዘር ሴንሰር ተጠቒሙ ክፈሊ ምግባር ይከኣል'ዩ" ኢሉ።
እዚ ናይ ሌዘር ሴንሰር፡ ምስሊ ኣጻብዕቲ ናይቲ ሕሙም ብምውሳድ፡ መጠን ብርሃን (ላይት ኢንቴንሲቲ) ዋህዮ ቀይሕ ደም ይዕቅን። ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ህዋሳት፡ ዝተፈላለየ ናይ ብርሃን መጠን'ዮም ዝወስዱ።
ሓደ ሰብ ዓሶ እንተሃልዩዎ፡ ፖዘቲቭ፤ ነጻ እንተኾይኑ ድማ ኔጋቲቭ 'ላይት ኢንቴንሲቲ' የርኢ ክብል እቲ በዓል ሞያ የብርህ።
ዝኾነ ደም ከይወሰድካ፡ ብናይ ጨረር ምርመራ ጥራሕ ኢድ ስካን ብምግባር ምምርማር ዘኽእል እዚ መሳርሒ፡ ኣብ ስልኪ ተጻዒኑ ዝሰርሕ'ዩ ይብል።
እቲ ብስልኪ ዝተወሰደ ምስሊ ናብቲ ናይ መመርመሪ ኔትዎርክ ብምውሳድ፡ ሓደ ሰብ ዓሶ ኣለዎ'ዶ የብሉን ዝብል፡ ብመሰረት ዝእክቦ መረዳእታ ምፍላይ ይኽእል'ዩ።
"እዚ መሳርሒ ንምጥቃም ዝተራቐቐ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ኣየድልን" ዝብል ቶርፖት፡ ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ዓሶ ከም ዝሓዞን ከም ዘይሓዞን ክፈልጥ ብዘኽእሎ መገዲ ከም ዝተምሃዘ ገሊጹ።
እዚ መመርመሪ መሳርሒ ጌና መሊኡ ኣይተዛዘመን። ሕዚ ብዘለዎ ደረጃ፡ 70 ሚኢታዊት እቲ ሕማም ክፈሊ ይኽእል።
ኣብዚ እዋን ቶርፖት i Cog Solve IT ኣብ ዝተብሃለ ውድድር ተሳታፊ ካልኣይ ዙርያ ኮይኑ፡ ተዓዊቱ፤ ኣብ ቀረባ ድማ ሽልማትን ኣፍልጦን ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።