እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ካሮሊና፡ ሓንቲ ኣመሪካዊት ብሓርገጽ ተቐቲላ
ጓል 45 ኣመሪካዊት ኣብ ደሴት ሂልተን ሄድ፡ ደቡብ ካሮሊና ብሓርገጽ ተቐቲላ።
ፖሊስ፡ እዛ ኣመሪካዊት ኣብ መዘናግዒ ማእከል ላጎን ሰኑይ ንግሆ ከምዝተቐተለት ሓቢሮም።
እዛ ግዳይ፡ ካሳንድራ ክሊን ትብሃል ኮይና፡ ካብቲ ማይ ምስ ኣውጽኡዋ ሂወታ ከምዝሓልፈት ተሓቢሩ።
ናይ ዓይኒ መስኻኽር ከምዝሓበርዎ እዛ ጓል 45 ኣምሪካዊት፡ ንከልባ ካብ መጥቃዕቲ 2.4 ሜትሮ ቁመቱ ሓርገጽ ክትከላኸል ከምዝተቐተለት መስኪሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እቲ ከልቢ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘይወረዶ'ውን ሓቢሮም።
ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ እቲ ቐታሊ ሓርገጽ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ።
እዛ ኣመሪካዊት ትነብረሉ ዝነበረትን፡ ዝተቀተለትሉን መዘናግዒ ማእከል (ሪዞርት) "በዚ ዜና ኣዚና ሓዚንና ኢና" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ፈሎሪዳ ከልቢ ተዛውር ዝነበረት ጓል 47 ዓመት ኣመሪካዊት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብሓርገጽ ከምዝተቐተለት ዝዝከር እዩ።
እዚ ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ደቡብ ካሮሊና፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተመዝገበ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ሓርገፅ ምዃኑ ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ንቢቢሲ ሓቢሮም።