ናህሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ አፍሪቃ እንታይ የመስል?

ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ ናብ ኣውቶቡስ ዝስቀሉ ተጓዓዝቲ መንጽሂ ኢድ እናተዋህቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ ናብ ኣውቶቡስ ዝስቀሉ ተጓዓዝቲ መንጽሂ ኢድ እናተዋህቡ

ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ክያድኡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ካብ ዝተርኣየ ዝተፈለየ ክኸውን ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝረጋገጽ ሽዱሽተ ወርሒ ዝገበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት ዝተርኣየ ናህሪ ብዝተፈለየ መልክዑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብውሑድ መጠን ይውስኽ ምህላው እቲ ውድብ ሐቢሩ፡፡

ናህሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ

ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝሓለፈ 6 ነሓሰ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሓደ ሚልዮን ዝሰገረ ኮይኑ፡ በዝሒ ዝምዝገቡ ረኽሲታት ግን ጎዲሉ እዩ፡፡

ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብታ ልዕሊ ፍርቂ በዝሒ መልከፍቲ እታ ኣህጉር ዘለዋ: ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ምቕናሱ እዩ፡፡

ካብ 6 ክሳብ 13 ነሓሰ፡ 11 ምኢታዊት ዝነበረ መጠን መልከፍቲ እታ ኣህጉር ናብ 8 ምኢታዊት ወሪዱ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ብዙሓት ሃገራት መልከፍቲ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ነቲ ዝለዓለ መጠን ምፍላጡ ከምዘጸግም ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ፡፡

ብተወሳኺ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተጨናነቑ ከባቢታት ከተማ ናብ ገጠራት ይጋፋሕ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡

ዛጊድ ኣብ ዓለም ካብ ዝተረጋገጹ ረኽሲታት ኮሮናቫይረስ፡ ኣፍሪቃ ዝነኣሰ መጠን- 5% ዝሓዘት እንትኾን፡ ኢንትርናሸናል ረስክዩ ኮሚቴ ግና ብምኽንያት ሕጽረት መመርመሪ እቲ ሓቀኛ መጠን ለበዳ ተሓቢኡ ክኾን ከምዝኽእል ይገልጽ፡፡

ዝለዓለ ረኽሲ ዘለዎም ከባቢታ ኣፍሪቃ ኣየኖት እዮም?

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር ዝለዓለ መጠን ረኽስን ሞትን ዘመዝገበት ሃገር እንትትኮን፡ ካብ ዓለም ድማ ብበዝሒ ረኽሲ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡

ካብተን ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየለን ሃገራት ግን ውሑድ ሞት እያ ኣመዝጊባ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብታ ሃገር በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተጸብጸበ ንላዕሊ ክኾን ከምዝኽእል ቤት ምኽሪ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጸብጻብ የመልክት፡፡

እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝተመዝገበ በዝሒ ሞት ናይ 17 ሽሕ ማለት እውን 59% ወሰኽ ተረኺብዎ እዩ፡፡

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበራ ኬንያውያን ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበራ ኬንያውያን ደቂ ኣንስትዮ

ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር በዝሒ መልከፍቲ ይረጋጋእ ምህላዉ ዘርእዩ ምልክታት ዘለዉ ኮይኖም፡ ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ሰባት ቀኒሱ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡፡

ግብጺ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ዘመዝገበት ኮይና፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ግን ቀኒሱ እዩ፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ብበዝሒ መልከፍቲ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት ናይጀርያ ዘለትሉ ኩነታት ትኹረት ዝደሊ እንትኾን፡ ሃገራት ኢትዮጵያን ዛምብያን ድማ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝገባ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን፡፡

ካልእ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቕንስ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ልዕሊ 75 ምኢታዊት መልከፍቲ ሓሙሽተ ሃገራት ንበይነን ዘመዝገበኦ እዩ፡፡

ብዝሒ ሞት ኣብ ኣፍሪቃ

ዋላኳ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ድኹም ዝበሃል እንተኾነ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነጻጸር ግን ብዝሒ ሞት ዝተሓተ እዩ፡፡

እዚ ድማ 60% ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ምዃኑን እቲ ቫይረስ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘስዕብ ኣብ ብዕድመ ዝዓበዩ ሰባት ስለዝኾነ ክኾን ከምዝኽእል ይግለጽ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝማዕሉ ሃገራት ዝረኣዩ ከም ልዕሊ ዓቐን ርጉድን ሕማም ሽኮር ክልተን ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ዘይምህላዎም እዩ፡፡

ዝለዓለ ሞት ዘመዝገባ ሃገራት ድማ ቻድ(8%)፣ ሱዳን(6.5%)፣ ላይቤርያ(6.5%)፣ ኒጀር(5.9%)ን ግብጺ(5.35) እየን፡፡

ክንደይ ዝኣክል ምርመራ ኮሮናቫይረስ ይካየድ ኣሎ?

እቲ 80% ጠቕላላ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት እዩ ተኻይዱ ዘሎ፡፡ ንሳተን ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ፣ ጋና፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ዩጋናዳ፣ ሞሪሸስ፣ ኬንያ፣ ናይጄርያን ርዋንዳን እየን፡፡

ካብዚአን ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ምርመራታ ዘካየደት ኮይና፡ ናይጀርያ ድማ እታ ዝወሓደ ምርመራታት ዘካየደት ኣሪቃዊት ሀገር እያ፡፡

ኣብ 16 ነሓሰ፡ በዝሒ ምርመራ ደቡብ ኣፍሪቃ 57 ካብ 1,000 ሰብ እንትኾን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ግን ብተኸታታሊ 174ን 202 ሰብ ካብ 1,000 ሰብ መርሚረን እየን፡፡

ኣብ 17 ነሓሰ ናይጄርያ 1.7፣ 13 ነሓሰ ኬንያ 6.9፣ 14 ነሓሰ ጋና 13.7 ካብ 1,000 ሰብ ዝመርመረኦ መጠን እዩ፡፡

ኣብ ከም ታንዛንያ ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብምኽንያት ሓበሬታ ዘይምህላው እንታይ የጋጥም ከምዘሎ ኣይፍለጥን፡፡

ዛጊት 285 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት እትገልጽ ኤርትራ ድማ ክንደይ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከም ዝገበረት ኣይትገልጽን።