ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ዋዒ ተመዝጊቡ

ኣብ መሬት እቲ ዝለዓለ መጠን ዋዒ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገልጸ መጠን ሙቐት ኣብ 'ዴዝ ቫሊ' ካሊፎርኒያ ከምዝተመዝገበን ኣስታት 130 ፈረንሃይት ወይ 54.4 ዲግሪ ሰንትግሬድ ክበጽሕ ከምዝኽእልን ተገሊጹ፡፡

ግልጋሎት ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ነቲ ዝተመዝገበ መጠን ዋዒ የረጋግጾ ዘሎ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ዝተኸሰተ ማዕበል ሙቐት ዝተፈጠረ እዩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ዋዒ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝተበላሸወ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኽልተ መዓልቲ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ እዩ፡፡

ቅድሚ እቲ ብሰንበት ኣብ ካፎርንያ ኣብ ፈርነስ ዝተመዝገበ ዋዒ፡ ብትኽክል ተመዝጊቡ ዝርከብ ዝለዐለመ መጠን ዋዒ፡ ኣብ 2013 ኣብቲ ናይ ሕዚ ቦታ ዝተመዝገበ 129.2 ፋ ወይ 54 ዲሴ እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሓደ ምኢቲ ዓመት ተመዝጊቡ ዝበሃል መጠን ዋዒ 134 ፋ ወይ 56.6 ዲሴ ግን ብዙሓት ሰብ ሞያ ኣይቕበሉዎን፡፡

በዓል ሞያ ኩነታት ኣየር ክሪስቶፈር በርት፡ ነቲ ኣብ 1913 ተመዝጊቡ ዝተብሃለ ዝለዓለ መጠን ዋዒ ከረጋግጹ ዝኽእሉ ካልኦት ዓቐናት ከምዘይተረኸቡ ይገልጽ፡፡

ኣብ 1931 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ቱኒዝያ ተመዝጊቡ ዝተብሃለ 131 ፋ ወይ 55 ዲሴ፡ ካልኦት ናይ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዓቐናትን እውን እንተኾነ ዝለዓለ ናይ ሓቅነት ሕቶ ከምዝለዓሎም ክሪስቶፈር በርት ገሊጹ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ማዕበል ሙቐት፡ ካብ ካልኦት ሓደጋታት ኩነታት ኣየር ብማእከላይ ዝበዝሕ ሰብ ከምዝቐተለ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ኣመሪካ ገሊጹ፡፡

ምሽምቓቕ ጭዋዳ፣ ድርቀትን ወቕዕን ብምኽንያት ሓያል ዋዒ ቀልጢፎም ዝረኣዩ ሳዕቤናት ማዕበል ዋዒ እንትኾኑ፡ ኣዐርዩ እንትውስክ ድማ ከም ጸገም ምትንፋስ፣ ሕማማት ልብን ኩሊትን ከጋድድ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ፡፡