ንሻርክ ኣጉሲጡ ሰበይቱ ዘድሓነ ሰብኣይ

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኣብ ባሕሪ እናሰፈፉ እናሓምበሰ እንከሎ፡ ንሰበይቱ ሻርክ ከጥቀዓ ጀሚሩ።

እቲ ሻርክ፡ ናብ ጥቓ እቶም እናሰፈፉ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ምስቀረበ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ብበሊሕ ኣስናኑ ንእግሪ እታ ሰበይቲ ነኺሱዋ።

ነዚ ዝረኣየ ሰብኣያ ድማ፡ ዘሊሉ ናብ ዝባን እቲ ዓሳ ደይቡ ከጉስጦ ጀሚሩ።

እዚ ቻንተል ዶይል ዝበሃል ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ፡ ነቲ ሻርክ ደጋጊሙ ብጉሲጢት ኣጥቂዕዎ።

ንጉስጢ ዶይል ክጻወር ዘይከኣለ ሻርክ፡ ነቲ ነኺስዎ ዝነበረ እግራ ሰዲዱ ኣንሳሒቡ እዩ።

ዶይል ድማ ንሰበይቱ ተሸኪሙ ናብ’ቲ ገምገም ባሕሪ ወጺኡ።

እዚ ፊልም ዝመስል ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።

እታ የማናይ እግራ በቲ ሻርክ ዝተነኸሰት ሰበይቲ ድማ፡ ከቢድ ሃስያ ስለዝበጽሓ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ።

ናይ’ቲ ኸባቢ ሰብ መዚ ከምዝበልዎ፡ ሰለስተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ብዕድመ ንእሽቶ ሻርክ እዩ ኣጥቂዕዋ።

እቲ ምስ ሻርክ ተጓሲጡ ህይወት በዓልቲ ቤቱ ዘድሓነ ሰብኣይ ድማ፡ ካብ ኣውስትራልያውያን ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ።

ኣብ’ታ ብውቅያኖስ ዝተኸበበት ኣውስትራልያ፡ ሰባት ምስ ሻርክ ክጋጠሙ እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝበሃል ግዝኣት፡ ሻርክ ንሰባት ከጥቅዕ ከሎ ኣብ’ዚ ወርሒ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እዩ።