እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ፡ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምዝገባ መረጽቲ ንምክያድ ፈተነ ይግበር ኣሎ
ኣብ ትግራይ፡ ‘ሓራ ’ ዝተብሃለ ትካል ቴክኖሎጂ ዝመሃዞ ናይ ሞባይል መተግበሪ ብምጥቃም፡ ምዝገባ መረጽቲ ንምክያድ ፈተነ ተጀሚሩ።
እቲ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቅዲ ምዝገባ መረፅቲ፡ ሎሚመዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሓየሎም ንፈተነ ቀሪቡ።
መረጽቲ፡ ኣብ ሞባይል ስልኪ ኣብ ዘሎ መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ዝምዝገቡ ኾይኖም፡ ንሓደ ሰብ ንምምዝጋብ ካብ 30 ክሳብ 50 ካልእት [ሰከንድ] ከምዝወስድ ወኪል ‘ሓራ ስርዓት ምህዳር’ ሃይለስለሴ ሊላይ ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቲ ሜላ: ግልጋሎት ኢንተርነት ኣይሓትትን።
ድምጺ ንምሃብ’ውን ተመሳሳሊ ሜላ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕል፡ ቀጻሊ ሰንበት ፈተነ ክግበር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ እዋን መረፃ፡ መራፂ በይኑ ኣትዩ ኣብ 'ዲጅታል ኮሮጆ' ካብ ዘለዉ ተወዳደርቲ ንዝሓረዮ ክመርፅ እዩ ተባሂሉ።
ድምፂ እንትህብ፡ ንታብሌት ስክሪን ብኢዱ ስለዝትንክፍ ድማ፡ ኣልኮል ወይ ሳኒታይዘር ብግድነት ክጥቀም ከምዘለዎ’ውን ተገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ 6ይ ክልላዊ መረፃ፤ ጳጉሜን 4 (ብኣቆፃፅራ ኤውሮጳ: መስከረም 9) ንክኸውን ከምዝተወሰነ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ንቢቢሲ ገሊፁ እዩ።
ብመሰረት እቲ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ ክፍለግዜ፤ ምዝገባ መረጽቲ ካብ ነሓሰ 15-22 ዓ.ም ክካየድ እዩ።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምዝገባ ዘምለጦም ድማ፡ ካብ ነሓሰ 23-24 ዓ.ም ከምዝምዝገቡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን መረፃ ትግራይ፡ ኣይተ መረሳ ፀሃየ ገሊፁ።
ነሓሰ 29 ድማ ጎስጓስ መረፃ ክዛዘም እዩ ተባሂሉ።