ኣብ ስሪላንካ ክልተ ኣሕዋት ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክኾኑ'ዮም

ፕረዚደንት ሲሪላንካ ጎታባያ ራጃፓክሳ ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ገሊጹ።

ሓዉ ማሂንዳ ራጃፓክሳ ነታ ሃገር ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብግዝያውነት ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክርቋሕ ትጽቢት ኣሎ።

እዞም ክልተ ኣሕዋት ‘ህዝባዊ ግንባር ሲሪላንካ’ ኣብ ዝብል ሰልፊ ብሓደ ዝሰርሑ ኮይኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ሰልፎም ነቲ ዝወጠነቶ ምቅያር ናይ ቅዋም ከተግብር ዝኽእል ዓወት ከም ዘመዝገበት እዮም ሓቢሮም።

ሰልፊ ‘ህዝባዊ ግንባር ሲሪላንካ’ ካብቲ 225 መናብር ነቲ 145 ክዕወትሉ እንከለዉ ካልእ ሓሙሽተ መናብር’ውን መላፍንቶም ዝኾነት ሰልፊ ክትረክብ ክኢላ እያ።

ስድራ ቤት ራጃፓክሳ ንዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ንፖለቲካ ሲሪላንካ ዓብሊሎም ሒዞሞ ይርከቡ።

ማሂንዲ ራጃፓክሳ ካብ 2005 ክሳብ 2015 ነታ ሃገር ፕረዚደንት ኮይኑ መሪሕዋ’ዩ።

ኣብ ሲሪላንካ ንሰልፊ ‘ህዝባዊ ግንባር ሲሪላንካ’ ኣብ መጻኢ ከስግእ ዝኽእል ሰልፊ፡ ወዲ ናይቲ ኣብ 1993 ዝተቐተለ ፕረዚደንት ነበር ራናሳንጊሀ ፐርማዳሳ ዝመስረታ ሰልፊ እያ።

ሲሪላንካ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ምርጫ ካብ ዘካየዳ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ነቲ ምርጫ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረሰ ክልተ ግዜ ድሕሪ ምንዋሕ’ያ ከተካይዶ ክኢላ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ እዚ እዋን 2839 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት 11 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።

ካልእ ዓወት ዞም ስድራ

እዚ ዝተመዝገበ ውጽኢት ንስድራ ራጃፓክሳ ዓቢ ዓወት’ዩ።

ጎታባያ ራጃፓክሳ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስ ተመረጸ ኣብቲ ባይቶ እታ ሃገር’ውን እታ ንሱ ዝመርሓ ሰልፊ ‘ህዝባዊ ግንባር ሲሪላንካ’ ዝበዝሐ ሰድያ ክትዕወት ክኢላ ኣላ።

ጎታባያ ራጃፓክሳ ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2009 ንዕጡቃት ታይሚል ታይገርስ ኣብ ምጥፋእ ብዝተጻወቶ ተራ ዓቢ ዝና ኣትሪፉ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ሕዋን ኵናት ሓድሕድ ስሪላንካን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ነይሩ እዩ ተባሂሉ’ውን ይኽሰስ እዩ፤ ንሱ ግን ከም ዘይወዓሎ’ዩ ዝሕበር።

ኣብ ስሪላንካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 260 ሰባት ዝቐተለ ብእስላማዊ ጉጅለ መጥቓዕቲ ምስ ተኻየደ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብመንግስቲ ቆላሕታ ይንፈጎም ምህላው ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ይገልጹ።

እዚ ከኣ ድኽመት ናይ ጎታባያ ራጃፓክሳ’ዩ እናተባሃለ ይጥቀስ’ዩ።

እዞም ክልተ ኣሕዋት እቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ሰድያ ስለ ዝሓዘ፡ ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምቅይያራት ክገብሩ’ዮም።

እቲ ክቕይርዎ ሓሲቦም ዘለዉ ቅዋም ንስልጣን ፕረዚደንት ዘልዕል ኮይኑ ሓደሽቲ መቆጻጸሪ ሜላታትት ንምትእትታው ተባሂሉ’ዩ ዝግበር ዘሎ።

ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንፕረዚደንት ደረት ኣልቦ ሰልጣን ምሃብ ናብ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ከምርሓና ይኽእል’ዩ ብምባል ብኣግኡ ስክፍተኦም ይገልጽ ኣለው።