እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል ኔልሰን ማንዴላ ዚንዲዝ ኣብ 59 ዓመታ ሞይታ
ዚንዲዝ ማንዴላ፡ ንኡሽቶ ጓል ስሙይ ተቓላሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ ኔልሰን ማንዴላን ዊኒ ማዲኪዜላ-ማንዴላን ከም ዝሞተት ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኤስኤቢሲ ጸብጺቡ።
ዚንዲዝ፡ ሎሚ መዓልቲ እያ ኣብ መበል 59 ዓመታት ዓሪፋ።
እቲ ማዕከን ዜና፡ ሞት ዚንዲዝ ማንዴላ ካብ ስድርኣ ከም ዘረጋገጸ ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዴንማርክ ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ዚንዲዝ፡ ምኽንያት መሞቲኣ ብወግዒ ኣይተገለጸን።
"ሎሚ ንጉሆ፡ ጓል 59 ዓመት ጓል ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ዚንዲዝ ማንዴላ ኣብ ሆስፒታል ጆሃንስበርግ ዓሪፋ" ይብል ጸብጻብ ኤስኤቢሲ።
ሚኒስትሪ ዓለምለኻውን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናሌዲ ፖንዶር፡ "ብናይ ባዕላ መሰል እትቃለስ ጅግና" ክትብል ኣወዲሳታ።
ንሳ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ሓዘን፡ "ዚንዲዝ፡ ጓል'ቶም ሓርበኛታት ቓልሲ ተባሂላ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብናይ ባዕላ መሰል እትቃለስ ጅግና ተባሂላ'ውን እያ ክትዝከር። ንደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ጽቡቕ ገይራ ኣገልጊላታ'ያ" ኢላ።
ዚንዲዝ፡ ሳድሸይቲ ጓል ማንዴላ ኮይና፡ ካብ ዊኒ ማንዴላ ካብ ዝወለዶም ቖልዑት ድማ ካልአይቲ እያ።