ድሃይ ንጉስ ነበር ጅዋን ካርሎስ ዝሰኣነት ስጳኛ ትሻቐል ኣላ

ንጉስ ስጳኛ ነበር ጅዋን ካርሎስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንጉስ ስጳኛ ነበር ጅዋን ካርሎስ ብሰኑይ ናበይ ምዃኑ ከይገለጸ ካብታ ሃገር ከም ዝወጽአ ምስ ሓበረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝተፈላለየ መግለጺታት የውጽኣ ኣለዋ።

እዚ ወዲ 82 ዓመት ንጉስ ስጳኛ ነበር ክሲ ብልሽውና ቀሪብሉ መርመራ ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰኑይ ናበይ ምዃኑ ከይገለጸ ካብታ ሃገር ከም ዝወጽአ’ዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ገሊጹ።

ኣብቲ ዝጽሓፎ ደብዳበ ናበይ ምዃኑ እኳ እንተዘይገለጸ ናብ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ እዩ ከይዱ ዝብል ሓበሬታታት ግን ይስማዕ ኣሎ።

እንተኾነ ሰብ መዚ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ንጉስ ጅዋን ካርሎስ ናብታ ሃገር ኣትዩ ዝብል ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ኣለዉ።

ወሃቢት ቃል ሃገራት ካሪብያን፡ እቲ ንጉስ ስጳኛ ነበር ናብ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ከም ዘይኣተወ ብምሕባር፡ ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ግን ንውሑዳት መዓልታት ናብ ሪፓብሊክ ዶሞነካ መጺኡ ምንባሩ ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ እቲ ንጉስ ኣበይ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ’ዩ ገሊጹ።

እቲ ንጉስ ስጳኛ ነበር ኣብቲ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንሕቶ ምስ ዝደልይዎ ካብቲ ገይሽዎ ዘሎ ከምዝምለስ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስጳኛ፡ እቲ ንጉስ ኣብቲ ኣብ ስዑድያ ዝነበረ ኩንትራት ምስራሕ መንገዲ ባቡር ብልሽውና ኣካይዱ ብዝብል መርመራ ክጅመር ውሳነ ሂቡ ነይሩ።

ንጉስ ስጳኛ ነበር ጅዋን ካርሎስ ድሕሪ ሞት ጀነራል ፍራንኮ ካብ 1975 ጀሚሩ ንስጳኛ ናብ ዲሞክራስያዊ መስመር ዘእተወ እናተባሃለ ሽሙ ብጽቡቕ ዝልዓል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ንጉስ ጅዋን ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ንግስነት ብምውረስ ንወዱ ፍሊፕ መዝነት ንግስነት ኣረኪብዎ።

እተን ማዕከናት ዜናታት እንታይ እየን ኢለን?

ብዙሓት ማዕከናት ብዛዕባ ኣበይነት እዚ ንጉስ ዝተፈላለየ ዜናታት’የን ዘቃልሓ ዘለዋ።

ላቫ ቫበንጋርያን እቲ ንጉስ ብሰኑይ ናብ ፖርቱጋል ብምኻድ ናብ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ከይዱ ምስ የዕሩኽቱ ክጸንሕ’ዩ ወሲኑ ኢላ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ኣላ።

ኤቢሲ ትብሃል ጋዜጣ’ውን እቲ ንጉስ ኣብ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ምህላዉ ገሊጻ ኣላ።

ካልእ ኢል ኮንፊደንሻል ዝተባህለት ማዕከን ዜና’ወን እቲ ንጉስ ኣብ ፖርቱጋል፤ ፈረንሳ ወይ ዓዲ ጣልያን ክህሉ ከምዝኽእል የአንፊታ ኣላ።

ኣብ ፖርትጓል እትርከብ ማዕከን ዜና’ውን እቲ ንጉስ ስጳኛ ነበር ኣብ ኢስቶሪለ ወይ ካሰካስ ኣብ ዝብሃል መዘናግዒ ቦታ እዩ ዘሎ ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ኣላ።

እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ብልሽውና እንታይ እዩ?

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስጳኛ፡ እቲ ንጉስ ካብ ንግስነት ምስ ወረደ ስጳኛ ኣብ ስዑድያ ንኽትሰርሖ ኩንትራት ኣብ ዝሓዘቶ መንገዲ ባቡር ብልሽውና ገይሩ እዩ ኣብ ዝብል መርመራ ክካየድ’ዩ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ስጳኛ ነቲ ካብ ንመካ ምስ መዲና ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ንኽትሰርሖ ብ 6.7 ቢልዮን ኢሮ’ያ ኩንትራት ተፈራሪማ።

እቲ ክሲ ምስ ኣብ ስዊስ ዝርከብ ባንኪ’ውን ምትሕሓዝ ከምዘለዎ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ስብ መዚ ጸረ ብልሽውና ስጳኛ እቲ ንጉስ ካበይ መጺኡ ዘይፍለጥ ኣብ ባንኪ ስዊስ ሰልዲ ከምዝኾነ ብምሕባር’ዩ መርመራ ክግበር ጸዊዑ።

መንግስቲ ስጳኛ’ውን “ፍትሒ ንኹሉ ማዕረ’ዩ” ብምባል ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ክሲ ኢዱ ከምዘይሕውስ ገሊጹ ነይሩ።

ንጉስ ጅዋን ካርሎስ

- ኣብ 1938 ኣብ ሮማ ዓዲ ጣልያን ተወሊዱ

- ኣብ 22 ሕዳር 1975 ድሕሪ ሞት ውልቀ መላኺ ጀነራል ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ናብ ስልጣን ደይቡ

- ኣብ እዋኑ ንስጳኛ ናብ ዲሞክራስያዊ መንገዲ ኣምሪሕዋ ተባሂሉ ዓቢ ክብሪ ክረክብ ክኢሉ

- ን39 ዓመታት ንጉስ ስጳኛ ድሕሪ ምዃን ኣብ 2014 ንግስነቱ ንውዱ ኣረኪብዎ ካብ ንግስነት ወሪዱ

- 8 ሰነ 2014 ወዲ ንጉስ ጅዋን ካርሎስ ንኣቡኡ ተኪኡ ንጉስ ስጳኛ ኮይኑ ተሸይሙ