ትራምፕ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፐብሊካን ኮይኑ ዝሕረየሉ መደብ ብዕጽው ክካየድ ተወሲኑ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኣመሪካ ሕርያ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፐብሊካን፡ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ሚድያ ኣይክሳተፉን ተባሂሉ።

እቲ ሕርያ ሪፐብሊካን፡ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ 2020 ብዕጽው ከምዝካየድ እዩ ተወሲኑ።

ኣሶሼትድ ፕሬስ ንወሃቢ ቃል ሰልፊ ሪፐብሊካን ጠቒሱ፡ ሚድያታት ኣብቲ መድረኽ ከይርከቡ ዝተወሰነ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ጸብጺቡ።

ኣብ ሰሜን ካሮላይና ልኡኻት ሪፐብሊካን ተኣኪቦም ንዶናልድ ትራምፕ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ገይሮም ክሓርዩ እዮ።

እዞም ኣብቲ ሕርያ ዝሳተፉ 336 ዝኾኑ ልኡኻት፡ ኣብ ሰሜን ካሮላይና እትርከብ ከተማ ቻርሎቴ እዮም ክራኸቡ።

እዞም ልኡኻት ብኮሮናቫይረስ ምኽንያት ክርከቡ ዘይከኣሉ በኣሻሓት ንዝቑጸሩ ተወከልቲ ተኪኦም እዮም ክርከቡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይቲ ሰልፊ ብሕታዊ ሕጹይ ኮይኑ እዩ ክቐርብ ተባሂሉ።

ትራምፕ፡ ጎስጓስ መረጻኡ ድማ ኣብቲ ዕለት፡ ብዕሊ ከበስር ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

“ሰልፍና ብብርኪ ፌዴሬል ኮነ ብግዝኣታት ዝተኣወጁ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብምኽባር ኢና ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ብዝሒ ሰባት ውሑድ ክኸውን ዝገበርናዮ” ኢላ፤ እታ ወሃቢት ቃል።

እዚ ውሳነ፡ ቅድሚ ሕዚ ይግበሩ ንዝነበሩ ልሙድ ኣሰራራሓታት ዝቐየረ እዩ ተባሂሉ።

ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት መድረኻት፡ ናይ ብዙሓት ሚድያታት ቀልቢ ዝስሕብን ንህዝቢ ዝተፈላለዩ መልእኽታት ዝቃለሐሉን እዩ ነይሩ።

ኣመሓዳሪ ሰሜን ካሮሊና በቶም ብዝሒ ዝርከቡ ሰባትን፡ ክህሉ ዝግበኦ ምፍንታትን መሰረት፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ካልእ ቦታ ክኸውን ስለዝሓተተ፡ እቲ መድረኽ ኣብ ጃክሰን ፥ ግዝኣት ፍሎሪዳ ክኸውን ተወሲኑ ከምዝነበረ፡ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ድሒሩ ድማ፡ ኣብቲ ቀዲሙ መደብ ዝተትሓዘሉ ኣብ ካሮላይና ክኸውን ተወሲኑ።