እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ዚምባብዌ ሕጋጋት ኮሮናቫይረስ ጥሒሶም ዝበለቶም ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ኣሲራ
መንግስቲ ዚምባብዌ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ነቲ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝወጽአ ሕግታት 'ጥሒሶም' ዝበሎም ልዕሊ 105 ሽሕ ሰባት ከምዝኣሰረ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቶም ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበሩን ‘ዘየድሊ ምንቅስቓስ’ ክገብሩ ዝጸንሑ ምዃኖምን እቲ ብፖሊስ እታ ሃገር ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
ኣብታ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1500 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፍዎ ሃገረ ዚምባብዌ፡ እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ተሪር ዕጽዋ በብቑሩብ ኣብ ምዝላቕ’ዩ ዝርከብ።
እንተኾነ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መንግስቲ ዝነቕፉ ሰባት፡ እቲ መንግስቲ ነቶም ዘስግእዎ ተቓወምትን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንምእሳር ‘ምጥሓስ ሕጋጋት ኮሮናቫይረስ’ ዝብል ሓረግ ከም ጉልባብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ እዮም ዝጠቕሱ፡ መንግስቲ ግን ነዚ ክሲ እዚ ነጺግዎ እዩ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ንዝመጽእ 31 ሓምለ ወዲቦም ኣለዉ።
ብመሰረት ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጊ፡ ዝኾነ ዜጋ እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ምስ ዝኣቱ ንሰለስተ ሳምንታት መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም ማእከላት ንሰለስተ ሳምንታት ክውሸብ እዩ ዘገድድ።
ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ’ውን ክሳብ ሕጂ 276 ሰባት ካብዘን መወሸቢ ማእከላት ከምዝሃደሙን ካብኦም ተመርሚሮም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ከምዝርከብዎም ሓቢሩ ኣሎ።
ካብቶም ዝሃደሙ 30 ተታሒዞም ጥዕና ስድሮኦምን ጥዕና ሕብረተሰብን ንሓደጋ ብምምቅልዖም ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።
ካብዞም ዝተተሓዙ ክልተ ሰባት፡ ንሸውዓተ ኣባላት ስድርኦም ከምዝለከምዎም ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ።
ሃገረ ዚምባብዌ፡ ካብተን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠበአን ብኸቢድ ዝተሃሰያ ሃገራት እያ፡ መንግስቲ ቁጠባ እታ ሃገር ብ4.5 ምንቁልቋል ከምዘርኢ ክሕብር እንከሎ ዓመታዊ ቁጠባዊ ዝቕባበ እታ ሃገር ድማ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ 785% እዩ በጺሑ ነይሩ።
ዞባዊ ኣዲተር ቢቢሲ ዎርለድ ሰርቪስ ዝኾነ ዊል ሮስ፡ ኣብ'ታ ሃገር ኣንጻር ፕረዚደንገት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ተቓውሞታት ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እቲ ፕረዚደንት’ውን ነቐፌታ ናይ ምጽዋር ዓቕሉ ይልሕልሕ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
እቲ ኤዲተር፡ ተቓውሞታት እንተቐጺሎም፡ እቲ ምእሳር’ውን ክቕጽል ምዃኑ ድማ ይሕብር።
ናይ ዚምባብዌ ጎረቤት ኣብ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ 230 ሽሕ ሕጊ ዕጽዋ ጥሒሶም ዝበሎም ሰባት ክሲ መስሪቱ ኣሎ።