ባይቶ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኮሚሽን መረጻን ሕጊ መረጻን ኣጽዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓድሽ ኮሚሽን መረጻን ኣዋጅ ሕጊ መረጻን ኣጽዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ንዝካያድ 6ይ ዙርያ መረጻ ዘሳልጥ፡ ኮሚሽን መረጻን ሕጊ መረጻ ብሙሉእ ድምጺ ከምዘጽደቐ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተርና ኣረጋጊጹ።
እቶም ዝጸደቑ ሕጊ መረጻን ኮሚሽን መረጻን፡ ቀዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝዘተሎም ዝዝከር እዩ።
ዝርዝር ተግባራት እቲ ኮሚሽንን እቲ ሓድሽ ኣዋጅ መረጻን ብዝምልከት ዛጊድ ሓበሬታ ኣይበጽሐናን።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 6ይ ዙርያ መረጻ ብብርኪ ሃገር ንዘይተፈለጠ እዋን ክናዋሕ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ስጉምቲ ስልጣን ብዘይ ኣግባብ ናይ ምንዋሕ ተግባር ገይሩ ዝወሰዶ እንትኸውን፡ ብብርኪ ክልል መረጻ ንምክያድ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ከሳልጥ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝነጸገ ኾይኑ፡ ባይቶ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረጻን ንምጥያሽ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ካብ ሰነ 25 መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሓምለ ሓደ 2012 ዓ/ም ኣብ ዝጸንሕ ኣኼብኡ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ከምዝዝርእን ሓደሽቲ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ከምዝጽድቕን 'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ ባይቶ፡ ናይ መጻኢ ዓመት ባጀት ተዛትዩ ከምዘጽድቕ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







