ብስፍሓቱ ካልኣይ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ

ንዝሓለፉ 23 ኣዋርሕ ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ተላቢዑ ዝነበረ ሓማም ኢቦላ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ።

እቲ ለበዳ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ብዝገበርዎ ምርብራብ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓለ፡ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪቃ ዶ/ር ማቲዲሶ ሞቲ ገሊጹ።

ዶ/ር ሞቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ለበዳታት ብሕብረትን ሳይንሳዊ መገድን ምቁጽጻር ከምዝከኣል ዘመላኽት ተስፋ ዝህብ እዩ" ኢሉ።

እዚ ለበዳ ካብቲ ኣብ 2014 ዓምፈ ዘጋጠመ ለበዳ ቀጺሉ እቲ ዝዓበየ እዩ።

እቲ 2014 ኣጋጢሙ ዝነበረ ለበዳ ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ጎንጺ ምኽንያት ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ከባቢ 420 መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም ነይሮም እዮም፡፡

ኣብዚ እዋን 'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ሕማም ኢቦላ ንመበል 11 ግዘ ተኸሲቱ ኣሎ።

ዛጊድ ድማ 24 በቲ ሕማም እንትልከፉ 13 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ፡፡