ኢቦላ፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብሞት ሓኪም ኢቦላ ዶኳትራ ኣሲራ

ካሜሮኣዊ ዶክተር ሪቻርድ ሙኡዞኮ ፡ ብሚያዚያ ሕሙማት ኢቦላ እናሓከመ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታል ቡቴምቦ ብጥይት ተቐቲሉ።

ብቕትለት ኣባላት ልኡኽ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ዶኳትር ኮንጎ ድማ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ተገሊጹ።

ዶክተር ሙኡዞኮ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኮንጎ ዘሎ ሕማም ኦቦላ ንምዕጋት ካብ ዝመደቦም ሰብ ሞያ ሓደ ነይሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ "ውፉይ ሓኪም" ናቱ ሓገዝ ናብ ዝደልዩ ሰባት ኩሎም ንምኻድ ቁሩብ'ዩ ነይሩ ኢሉ።

ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ካብ ማዳጋስካር፣ ካሜሮንን ዲኣርሲን ዝተወጻጽኡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብስርሑ ውፉይ ከም ዝነበረን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰብ ሞያ ጥዕናን ዶኳትርን ከም ዘሰልጠነን ተዛሪቦም።

ምኽንያት ጥቕዓት እዚ በዓል ሞያ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተነጸረን።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 1800 ሰባት ብቫይረስ ኢቦላ ተጠቒዖም ሞይቶም። ዝርግሐ እዚ ሕማም ንምግታእ ዝግበር ጻዕሪ ብዓማጽ ጉጅለ ሚሊሻን ካብ ወጻኢ ንዝመጽእ ሕክምናዊ ረድኤት ብምጥርጣርን ተኣጓጒሉ'ዩ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ሌተናል ኮሎኔል ጂን-ባፕቲስተ ኩምቡ ንኤኤፍፒ ከም ዝበሎ፡ ማእኸላት ሕክምና ኣብ ምጥቃዕ ዝነበሩ ሚሊሻታት ኣብ ምርመራ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰለስተ ዜጋታት ኮንጎ ዝኾኑ ዶኳትር "ብግበረ ራዕዲ" ከምኡ'ውን "ገበናዊ ውዲት" ክኽሱሰ ምኻኖም ሓቢሩ።

ዶኳትር እታ ሃገር ዝውክል ጉጅለ ናብ ከንቲባ ከተማ ቡቴምቦ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ግን፡ እቲ ማእሰርቲ ብምኹናን ሕክምና ኣብ ዝወሃበለን ከባቢታት ንሳቶም ዘይምህላዎም፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማትን ምንኽኻእ ደምን ጸገም ክፍጠር ይኽእል'ዩ ኢሎም።

ወሲኾም፡ እቶም ዝተኣሰሩ ዶኳትር እንተዘይተፈቲሖም፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣድማ ከም ዝገብሩ ኣብ ደብዳብኦም ገሊጾም። እንተኾነ እቲ ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ፡ ነዚ ጠለቦም "ብዘይ ዝኾነ ሕቶ" ነጺጉዎ።

ስለምንታይ ሰራሕተኛታት ኦቦላ ተጠቒዖም?

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ፡ 200 ዝጽግዓ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ማእከላት፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክታበትን ክንክንን ከደናጉዩ ወይ ጠጠው ከብሉ ብምግዳድ ተጠቒዐን'የን።

ሮይተርስ ንሌተናል ኮሌነል ኩምቡ ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሕክምና ኢቦላ ይህባ እበ ዝነበራ ማእከላት ጥቕዓት ኣብጺሖም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 54 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ኣብ 2018 ኣብ ሜዲካል ጆርናል ላንሴት ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ኢቦላ፡ "ኣብ ግጉይ መረዳእታ ዝተሞርኮሰ እምነት ተስፋሕፊሑ'ዩ" ይብል።

ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ወሃብቲ ርኢቶ፡ እቶም 25 ሚኢታዊት ኢቦላ የለን ኢሎም ይኣምኑ። ኢቦላ፡ ፋይናንሳዊ ኸስቢ ንምርካብ ወይ ርግኣት እቲ ዞባ ንምዝራግ ዝተፈብረኸ'ዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።