'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሓዲሽን ሓደገኛ ኩነታትን መድረኽ ይኣቱ'ሎ' ወድብ ጥዕና ዓለም

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሓዲሽን ሓደገኛ ኩነታትን መድረኽ ይኣቱ ኣሎ ክብል ኣጠንቒቁ።

ትማሊ ሓሙስ፡ እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝተመዝገበላ መዓልቲ'ያ ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ።

ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም ከምዝሓበሮ፡ ትማሊ ሓሙስ 150,000 ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተመዝገበን፡ ፍርቂ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ ደቡብ ኣመሪካን፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ ኤስያን እዮም ክብል ገሊጹ።

ንሱ፡ እቲ ቫይረስ ገና ብሓያል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ኣተሓሳቢሱ።

ዶ/ር ኣድሓኖም፡ ሰባት ምስቲ ዘሎ ዕጽዋን ማሕበራዊ ምፍንታትን ሰልኪዩዎም ከምኡ'ውን ሃገራት ነቲ ቊጠበኣን ክኸፍታ ክህንጠያ ከምዝኽእላ ድሕሪ ምግላጽ እዚ እዋን ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ እዋን ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት ጆን ሆብኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ብደረጃ ዓለም ዛጊት 8.5 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ኣስታት 457 ሽሕ ሰባት ከኣ በዚ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

እተን ብዝያዳ ተሃሲየን ዘለዋ ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ኢጣልያ ከምኡ'ውን ስጻኛ እየን።

ኣብ ኣፍሪቃ: ክሳብ ሕጂ 276,733 ሰባት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው። ካብዚኦም እቶም 127644 ካብቲ ሕማም ክሓውዩ እንከለው፡ ካልኦት 7417 ሰባት ግን ሞይቶም ኣለው።