እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዙሕት ዘይተመለሱ ሕቶታት ዘለውዎ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሰባት መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ክወስዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ መድሓኒት ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ንምሕካም ክረብሕ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ሓበሬታ ምዝርግሖም እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እውን እዚ መድሓኒት ብጽኒዕ ንዝሓመሙ መሕከሚ እንተወዓለ ከምዝድግፎ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተኻየደ ፈተነ ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ሓሚሞም ቬንትሌተር ዝጥቀሙ ከምኡ ድማ ኦክስጂን ዘደልዮም ሰባት ዝሞቱሉ ኣጋጣሚ ከምዝንኪ እቲ ውድብ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ውጽኢት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ድማ ዴክሳሜታዞን ብጽኑዕ ኣብ ዝሓመሙ ሰባት እምበር ማእኸላይ ዝበሃል ምልክት ኣብ ዝተረኣዮም ሰባት ውጽኢት ኣዕጋቢ ኣይተረኸቦን።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ኦክሲጅንን መተንፈሲ መሳርሒ [ቪንትሌተር]ን ኣብ ዘድልዮም ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንዘጋጥም ሞት ዝንክይ ፈላሚ መድሓኒት'ዩ" ክብል ገሊጹ።
እንታይ ዓይነት መድሓኒት እዩ?
ዴክሳሜታዞን ካብ 1960ታት ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንዘጋጥሙ ሕበጣት ንምዝቃቕን ዝተወሰኑ ዓይነታት ካንሰር ንምሕካምን ኣብ ርብሓ ክውዕል ጸኒሑ እዩ።
ካብ 1977 ጀሚሩ ድማ ብዝተፈላለየ ዓይነታት ተዳልዩ ውድብ ጥዕና ዓለም "ኣገደስቲ" ብዝብል ካብ ዝዘርዘሮም ሓደ ክኸውን ክኢሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ መሰል ዋንነት ዘይለዓለሉ ስለዝኾነ ብቐሊሉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይፈርይን ይርከብን።
በዓል ሞያ ፋርማሲን መምህር ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶን [ኢትዮጵያ] ዝኾነ ኣይተ ሽዋመህ ኣየለ፡ እዚ መድሓኒት 'ግሉኮኮሪኮይድ' ብዝብል ኣብ ዝጽዋዕ መደብ ዓይነታት ኣፋውስ ከምዝስራዕ ይዛረብ።
ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ካብ ምጽንሑ ብተወሳኺ ብስፍሓት ከምዝርከብን ሰብሞያ ጥዕና ንተሓከምቶም ከምዝጥቀሙሉን ይገልጽ እቲ መምህር።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ መድሓኒት ዝህቦ ረብሓ ብኻልኦት ዓይነታት መድሓኒት ክትካእ ስለዘይክእል ኣብ ኢትዮጵያ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ እናወዓለ ይርከብ።
ዴክሳሜታዞን ካብ ኣፍንጫ ጀሚሩ ክሳብ ሳምባ ንዘጋጥሙ ዓይነታት ኣለርጂታት (ቁጠዐ ኣካላት) ንምሕካም ክውዕል ምጽንሑ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያን መምህር ዩኒቨርሲቲን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ጎናዊ ሳዕቤናት ዘይብሎም ዓይነታት መድሓኒት ክፈርዩ ብምኽኣሎም እምበር እቲ መድሓኒት ንተሓከምቲ ኣዝማ (ኣስሚ) እውን ይወሃብ ከምዝነበረ ይገልጽ።
ኣብ ኣሜሪካ ስፔሻሊስት ክፍሊ ድንገተኛ ሓደጋን ጥዕና ሕብረተሰብን ዝኾነት ኣማኻሪት ጥዕና ዶክተር ጽዮን ፍሬው እውን እቲ መድሓኒት ኣስሚ ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከምዝኽእል ተረድእ።
ብተወሳኺ ድማ ሽዑ ምስተወለዱ ጸገም ምስትንፋስ ዘጋጥሞም ህጻናት ኣብ ዝህልዉ እቲ መድሓኒት ከምዝወሃቦም ብምሕባር ኣካላቶም (ሰብነቶም) ክሃንጹ ዝደልዩ ሰባት'ውን ጭዋዳታቶም ንምዕባይ ከምዝጥቀሙሎም ገሊጻ።
ዴክሳሜታዞን ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ?
በዓል ሞያ ፋርማሲን መምህር ዩኒቨርሲቲን ኣይተ ሽዋነህ "እዚ መድሓኒት ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ንምሕካም ክውዕል ይኽእል'ዩ" ዝብል ዜና ከምዘግረመሉ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ መድሓኒት ቅድም ክብል'ውን ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ንዘጋጥሙ ኣለርጂታት ንምሕካም ኣብ ርብሓ ክውዕል ጸኒሑ እዩ። ኮሮናቫይረስ'ውን ንመተንፈሲ ኣካላት እዩ ዘጥቅዕ። እቲ ቫይረስ ናብ ሰብነትና ኣብ ዝኣትወሉ ብተፈጥሮኣዊ ስርዓት ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ንምጻእ ብተደጋጋሚ ንስዕልን ነሕንጥስን። እዚ ተፈጥሮኣዊ እዩ።
ዴክሳሜታዞን ነቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምሕንጣስን ምስዓልን ብምንካይ ኣብ መተንፈሲ ትቦታት ዘጋጥም ኣለርጂ (ቁጠዐ) ክንክይ ይገብር። በዚ ኩነታት ከኣ እቲ ዝሓመመ ሰብ ብዝሓሸ ኩነታት ከተንፍስ ይሕግዞ።
ብኻልእ ገጽ ድማ እቲ መድሓኒት ሰብነትና ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንምዕባይ ዘሕግዝዎ ዋህዮታት ምፍራይ ንክንክይ ይገብር'ዩ። ብዙሓት ሕሙማት ኮቪድ-19 ሰብነቶም ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ብዘውጽኦ ዝለዓለ ዓቕሚ ምኽንያት ተዳኺሞም ከምዝሞቱ እቲ በዓል ሞያ የረድእ።
ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጎልብቶ ዋህዮታት ዝፈርዩሉ መጠን ነክዩ ማለት ከኣ ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘውጽኦ ሓይሊ ነክዩ'ሎ ማለት'ዩ። በዚ ምኽንያት ሰዓልን ምሕንጣስን ስለዝቕንስ ከኣ እቲ ዝሓመመ ሰብ ብቐሊሉ ከተንፈስ ይኽእል።
ዴክሳሜታዞን ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ብደም ሱሮም ኣቢሉ ዝወሃብ ኮይኑ፡ እቲ ሕማም ንዘይከበዶም ከኣ ብመልክዕ ከኒና ክወስድዎ ይግበር።
ጎናዊ ሳዕቤናት
ዴክሳሜታዞን ብስፍሓትን ብዝተሓተ ዋጋን ክርከብ ምኽኣሉ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እትገልጾ ዶክተር ጽዮን፡ ኣብ ኣጠቓቕምኡ ግን ስግኣት ከምዘለዋ ትዛረብ።
"መጠን ግሉኮስ ክውስኽ ብምግባር ንሕማም ሽኮርያ የጋድድ'ዩ። ጭንቀትን ካለኦት ጽቡቕ ዘይኮኑ ስምዒታትን ከኸትል ይኽእል'ዩ። ምፍኳስ ዓጽሚ'ውን የምጽእ" ክትብል ነቶም ጎናዊ ሳዕቤናት ትጠቅስ።
እዚ ውጽኢት ምርምር ተስፋ ዝህብ እንተኾነ'ኳ ገና ዘይተመልአ ውጽኢት መጽናዕቲ ስለዝኾነ ሰባት በዚ ክዘናግዑ ከምዘይብሎም ትምዕድ።
ተመራመርቲ ኣብ ፈላሚ ደረጃ ፈተነ ዝረኸብዎ ውጽኢት ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ከኣ ብዛዕባ ዴክሳሜታዞን ዘሎ ምሉእ መረዳእታ ተንቲኖም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።
ውድብ ጥዕና ዓለም ተወሰኽቲ መረዳእታታት ከምዘቕርብን ብዛዕባ ኣጠቓቕምኡ ኣብ መምርሕታቱ ምምሕያሽ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ'ሎ።