እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንድን ቻይናን በቲ ኣብ ዶባት ዘጋጠመ ጎንጺ ነኒባዕለን ክካሰሳ ጀሚረን
ወተሃደራዊ ሓይሊ ህንዲ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ጉድትኣን ሞትን ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። እንተኾነ፡ ካብ ቻይና ወገን ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን።
እቲ ትማሊ ዝነበረ ጎንጺ፡ ብእምኒን ደርባን እዩ ጥራሕ ነይሩ ተኻይዱ ተባሂሉ። ዝኾነ ናይ ጥይት ተኹሲ ኣይተሰምዐን ዝብል ሓበሬታ እዩ ዘሎ።
ምክልኻል ሃገር ህንዲ ግን፡ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራቱ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሖም እዩ ዝገልጽ።
እቲ ካብ ህንዲ ዝተውሃበ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ዳርጋ ዜሮ ዲግሪ ረስኒ ዘለዎ በሪኽ ቦታ ንኽድይቡ ከምዝተገደዱ የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ላዳኽ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዘጓነፈ ጎንጺ ንሞትን ጉድኣትን ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ከጋጥም ድማ ድሕሪ 45 ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።
እንታይ እዩ እቲ መበገሲ?
ህንዲ ነቲ ዕልባት ዘይረኸበ ዋንነት ግዝኣት ዶብ፡ ቻይና ንብሕታ ክትገብሮ ፈቲና ክትብል ትኸስስ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፡ “ ቻይና ነቲ ዝጸንሐ ውዕል ዘፍርስ ተግባር ፈጺማ” ኢሉ።
ቻይና ድማ፡ ወተሃደራት ህንዲ ንሲቪል ቻይናውያን ኣጥቂዖም ኢላ እያ ትኸስስ።
ግሎባል ታይምስ ኣብ ዝተብሃለ መንግስታዊ ጋዜጣ ፡ “ኣብቲ ዶብ ንዘጋጥም ዘሎ ቀጻሊ ምፍጣጥ፡ ዕሽሽነትን ድንቁርናን ወተሃደራት ህንዲ ዝወለዶ እዩ” ክብል ኣብ ርእሰ ዓንቀጹ ኣስፊሩ።
ገለ ካብ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ሓይልታት ተራኺቦም፡ ነቲ ዝተፈጥረ ምጉናጽ ናብ ንቡር ንምምላስ ተዘራሪቦም እዮም።
ዛጊድ እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር፡ 20 ወተሃደራት ህንዲ ከምዝተቐትሉ ዝዝረብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብኣጽዋር ዝተሓገዘ ውግእ ከምዝተኻየደ ግን ካብ ዝኾነ ወገን ኣይተገልጸን።
ናይ ተኹሲ ድምጺ ዘይብሉ ‘ክንድዚ ሞት ከመይ ከጋጥም ክኢሉ?’ ዝብል ግና ናይ ብዙሓት ሕቶ ኾይኑ ኣሎ።
እቲ ዶብ እንታይ ይመስል?
እቲ ዋንነቱ ንክልቲአን ሃገራት ዘካተዕ ግዝኣት ዶብ፤ ጎቦታት፣ ቃለያትን ሩባታትን ዝበዝሖ ሓጓፍ ሽንጥሮ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ተቐያያራይ ኩነታት ኣየር ድማ፤ ደረት እቲ ዶብ ብቐሊሉ ክቀያየር ይኽእል እዩ።
ብ1962 ዓ/ም ክልቲአን ሃገራት፤ ህንዲ ዝተስዓረትሉ ኲናት ገጢመን ነይረን።
ኣብቲ እዋን፤ ተኹሲ ጠጠው ንምባል እንተተስማማዓ'ኳ፡ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ዕልባት ኣይገበራሉን።
እቲ ዘካትዕ ዶብን ግዝኣትን፡ ኣይተኻለለንን ኣይተጠረረንን ጸኒሑ።
ሕዚ፡ ቻይና ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ኣስፊራ ክትብል፡ ህንዲ ትኸስስ ኣላ፤ 38 ሽሕ ሜትሮ ትርብዒት መሬት ብጉልበታ ተቖጻጺራ ድማ ኢላ።
እንተኾነ፤ ህንዲ ናብዚ ኣጸጋሚ ከባቢ ዝወስድ ዓብዪ መንገዲ ምህናጻ እዚ ጎንጺ መሊሱ ክጅመር ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ ኣብቲ ከባቢ ድምጺ ተኹሲ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ጎንጺ እናማዕበለ ይሓድር ኣሎ።