መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘትዮም

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝገሹ ኣስታት 50 ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ: ስሙያት ውልቀሰባትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ምስ ሰበስልጣናት ክልል ትግራይ ዘትዮም።

እቲ ዘተ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ዘሎ ምትሕርፋፍ ንምህዳእን ብዝዘርርብ ንምፍታሕን ዝኣለመ እዩ።

እቲ ኣብ መቐለ ኣብ ኣደራሽ ሆቴል ፕላኔት ዝተኻየደ ዘተ ንጋዜጠኛታት ዕፅው እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ ፖስተር ዳኒኤል ገብረስላሴ ናይ ሓሳብ ፍልልይና ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክንፈትሕ ከምዝግበአና መልእኽቲ ክነሕልፍ ኢና መፂእና ኢሎም።

መራሒ ክልል ትግራይ "ንሰላም ኣብ ትፅውዑና ክንርከብ ፍቓድና እዩ: መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ንዝገብርዎ ፃውዒት ቅድሚ ሎሚ እውን ኣይተቓወምናን: ሎሚ እውን ንዘተ ቅሩባት ኢና' ከምዝበልዎም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሓደ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ መራሒ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ: ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ግን እቲ ዋዕላ ግዜኦም ከምዘጥፈአሎምን ወላ ሓንቲ ረብሓ ከምዘይነበሮን ገሊጹ።"ብናተይ ርድኢት እቲ ናይ ሎሚመዓልቲ ዋዕላ ትርጉም ኣይነበሮን። ንህዝቢ ትግራይ እውን ዘኽሰረ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስራሕ ንኸይንውዕል ወላ ሓንቲ ቁዉምነገር ከይሰራሕና ኢና ውዒልና።"ብምባል በቲ መድረኽ ሕጉስ ከምዘይኮኑ ተዛሪቡ።

"እሱራት ኣፍቲሖም: ዝተዓፀወ መንገዲ ኣኽፊቶም: ነቲ ዝነበረ ሰፊሕ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይቕሬታ ክሕተተሉ ገይሮም እንተዝመፅኡ ነይሮም እቲ ዕርቂ ልባዊ እዩ ምበልና ነይርና። እንተዘየለ ብድምር ክረአ እንከሎ እቲ ዋዕላ ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን"።

"ንሕና ኩልሻዕ ንዝርርብ ድልዋት ኢና" ዝበሉ ምክርል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ፡"ንመፅእ ኣለና ምስበሉና ተቐቢልና ንምስማዕ ኢና ድልዋት ኮይንና" ይብሉ።

"ተቐራሪብኩም ተዘራረቡ እዮም ኢሎም: እዚ ግን ናይ ትግራይ ፀገም ኣይኮነን: ናይ ሃገር ጉዳይ ከምዝኾነ ኢና ኣልዒልናሎም። ሃገር ኣብ ዓብዪ ፀገም ኢያ ዘላ። ስለ'ዚ ብደረጃ ሃገር ምዝርራብ ከምዘድልዮ ኢና ኣልዒልናሎም።"

ዶክተር ኣብርሃም ወሲኾም ድማ "ብፍላይ ምስ መንግስታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራ ተዘራረቡ እዮም ኢሎምና። ንሕና ድማ እቲ ፀገም ንሱ ኣይኮነን ንብል ኣለና። እታ ሃገር ኣብ ኩለመዳይ ቅልውላው ኢያ ዘላ። ኩሎም ኣካላትን ሓይልታት ፖለቲካን ዝዘራረብሉ መድረኽ እዩ ክዳለው ዘለዎ በሃልቲ ኢና" ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ ነጠፍቲ ንመገሻ እቶም ወከልቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዘይተቐበልዎ ክገልፁ ውዒሎም።

እቶም ኣጋይሽ ብ'ቻርተር' ኣውሮፕላን ናብ መቐለ ዝተጓዓዙ እንትኾን ድሕሪ እቲ ዘተ፡ ሎሚመዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣለዉ።