ትግራይ፡ ነበርቲ ኣኽሱም ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ዘቕረብዎም ሓሙሽተ ሕቶታት

ሓወልቲ ኣክሱም ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝተጣየሰ ኮሚቴ ዝገበረሎም ዕድመ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ምስ ነበርቲ ከም ዝዘተዩ ይዝከር።

ንምኻኑ፡ እቶም ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተራኸቡ ነበርቲ ዘልዓሉዎም ቀንዲ ሓሙሽተ ሕቶታትን ዝተውሃበ ምላሽን እንታይ ነይሩ?

1.ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሓወልቲ ኣክሱም ብዝምልከት

እቲ ጥንታውን ምልክት ስልጣነ ኣኽሱማውያንን ዝኾነ ሓወልቲ ንሓደጋ ዘሳጠሐ ኩነታት ዝተፈጠረ እንትኸውን፡ ዝምልከቶ ኣካል ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ ፃውዒት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ነበርቲ ኣኽሱም ብወገኖም፡ መንግስቲ ፌዴራል ድማ ብቕልጡፍ ናብ ግብሪ ክኣቲ ተላብዮም።

ነቲ ኣብ ጉዳይ ሓወልቲ ተገዲሱ ኩነታት ብኣካል ክርእዩ ዝዓደሞም ኮሚቴ ብምምስጋን፡ ''ብዙሓት ክስርሑ ዘለዎም ነገራት ከም ዘለዉ ክግንዘብ ክኢለ እየ'' ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ።

"ሓወልቲ ኣኽሱም ሓድጊ ኹልና እዩ፤ ሓለዋ ክግበረሉ ኣለዎ። ሓለዋ ዝግበረሉ ድማ ንከተማ ኣኽሱም ጥራሕ ተባሂሉ ዘይኮነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ እዩ'' ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ነቲ ሓወልቲ ንምጽጋን ዘኽእል ስራሕቲ ንምስራሕ ምስ መንግስቲ ጣልያን ይዘራረቡ ከም ዘለዉን ትኹረት ሂቦም ከም ዝሰርሑሉን ገሊጾም።

2.ፀገም መስተ ማይ ከተማ ኣኽሱም

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝለዓል ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ነዊሕ ግዘ ዘቑጸረ እንትኸውን፤ እቲ ጸገም ክፍተሐሎም እቶም ነበርቲ ሓቲቶም።

እቲ ሕቶ ንመንግስቲ ፌደራል ዝምልከት ከም ዘይኮነ ነቶም ተሳተፍቲ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ መንግስቲ ፌደራል ጸገም ማይ ከተማ መቐለ ንምፍታሕ ንዝተጀመረ ምንቅስቓስ ቐዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ናይታ ከተማ ቀረብ ዝስተ ማይ ንምሕጋዝ ዝደሊ ሃገር ኣሎ ዝተብሃለ ግን ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘየለ እዮም ገሊጾም። እንተኾነ እቲ ጸገም ብዛዕባ ዝፍተሓሉ መገዲ ምስ ዶክተር ደብረጺዮን ከም ዝመኽሩ ሓቢሮም።

3. ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ዘተኮረ ጥቕዓት

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብፍሉይ ዝፍጸም ማእሰርቲ ከም ዘየለ ዝተዛረቡ ዶክተር ኣብዪ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢ ስለ ምንታይ ናተይ ብሄር ዝኾነ ሰብ ይትንከፍ ዝብል ኣረኣእያ ከም ዘሎ እዮም ገሊጾም።

''ሰብ ልዕልነት ሕጊ እናበለ ዝዛረብ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዘሎ ሰብ ክሕተት እምበር፤ ናቱ ዝኾነ ሰብ ክሕተት ኣይደልን'' ኢሎም።

ስሞም ምስ ዝተጠቐሰ እሱራት ተተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝታይ እቲ መድረኽ ከም ዘይጥዕምን፡ ብሕጊ ኣግባብ ዝተትሓዘ ከም ዝኾነን ኣብሪሆም።

4. ምዕጻው ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ

''ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ዶብ ዛላምበሳ ክፈትዎ ኢልና እንእዘዞ፡ ጌርና ክንሪኦ የብልናን'' ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይመኽሩ ከም ዘለዉን ከምቶም ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ ስግኣታት ብወገን ኤርትራ 'ውን ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ምኽፋት ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ስዒቡ ሓደሽቲ ገበናት ኣብ ኤርትራ ተራእዮም ዝብል ቅሬታ ብወገን ኤርትራ ከም ዝስማዕን፡ እዚ ድማ ቀስብቐስ ምትዕርራይ ከም ዘድልዮን ብምሕባር፣ ናይ ንግዲ ምምጥጣን 'ውን ከም ዘየለን ተዛሪቦም።

እንተኾነ እቶም ጉዳያት ቀልጢፍካ ንምታሕ ክስራሕ'ዩ ብምባል ''ናብቲ ዝነበረ ጎንጺ'' ንከይንምለስ ትዕግስቲ ምግባር የድሊ ኢሎም።

5. መጻኢ ምርጫን ሃለዋት ኢህወደግን

ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝውሰዱ ዘለው ውሳኔታት፡ ኢህወደግ ከም ግንባር ሓቢሩ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይመስልን። ንምኻኑ ግን ኢህወደግ ኣሎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ቐሪቡ'ዩ።

ኢህወደግ ከም ግንባር ኣሎ ዝበሉ ዶክትረ ኣብዪ፡ "ንቐጻሊ'ውን ሓቢርና ኢና፤ ኢህወደግ እንተዘይህሉ ነይሩ ናብዚ ኣይምመጻእናን፡ ስለ ዘሎ'ዩ ዶክተር ደብረጽዮን ዝቕበለኒ ዘሎ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ሕዚ ብዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ምርጫ ዝናዋሕ እንተድኣ ኾይኑ፡ ናትኩም ቅቡልነት ስለ ዘብቅዕ እንታይ ኢኹም ትሓስቡ ዘለኹም፤ እታ ሃገርከ ናብ ሓዳጋ ዘእትዋ ኣይኸውንን'ዶ? ተባሂሎም ምስ ተሓቱ፡

''መረጻ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ኣይኮነን'' ብምባል፡ እቲ ቐንዲ ውሳነ ናይ ቦርድ መረጻ'ኳ እንተኾነ፡ ኢህወደግ እቲ መረጻ እዋኑ ሓልዩ እንተተኻየደ ጽቡቕ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ኣልዒሉ እዩ'' ኢሎም።

ብተወሳኺ ምስ ሰልፍታት ፖለቲካ ከም ዘይተዘራረቡን፡ ቦርድ መረጻ 'ውን ፓርቲታት ከም ዘየዘራረበን ዝሓበሩ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ተመኻኺርካ ዝውሰን ክኸውን ከም ዝኽእል እምበር ኢህወደግ በይኑ ዝውስኖ ከም ዘይኮነን ገሊጾም።

ካብቶም ሓተትቲ ሓደ፡ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘለዉ ጎንጽታትን ዓሌታዊ መጥቃዕትታትን ብመንግስቲ ዕሽሽ ምባሎም ጠቒሱ፡ ብፍላይ ናይ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን ስም ረቚሑ፡ "ዝተዓጸዉ መንገድታት ክተኽፍቱ ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም ስልጣን ምልቃቕ ንዓይ ቀላል እያ" ብማለት ካብ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዓጸወ ኣውራ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ- ትግራይ ብዝምልከት ሕቶ ቐሪቡ።

"ንምንታይ እዩ ብጎሮሮና ክንሕነቕ ዝግበር ዘሎ?" እቲ ሓታቲ ቀጺሉ። ብሱሩኸ ኢህወዴግ ከም ግንባር ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ'ውን ኣልዒሉ።