'ትራምፕ ንኣመሪካ ክኸፋፍላ ፈቲኑ' ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ነቒፍዎ

'ትራምፕ ንኣመሪካ ክኸፋፍላ ፈቲኑ' ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ነቒፍዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ዝነበረ ጀምስ ማቲስ፡ ትራምፕ ንኣመሪካ ይኸፋፍላ ኣሎ፡ ንስልጣኑ'ውን ብዘይኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ነቒፉዎ።

ትራምፕ 'ግቡእ መሪሕነት ክህብ ኣይከኣለን' ድማ ኢሉ።

ጀምስ ማቲስ፡ ትራምፕ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዑ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ዝኣለየሉ መገዲ ከምዘሰንበዶን ከምዘቖጠዖን'ውን እዩ ገሊጹ።

ነዚ ነቐፌታታት ዝረኣየ ትራምፕ ድማ፡ ንማቲስ "ዘይግበኦ ክብሪ ዝረኸበ ጀነራል" ክብል ኣቆናጺብዎ።

ነቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ብምእላዩ ሕጉስ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ 2918 ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶርያ ክስሕቡ ምስ ወሰነ እዩ ጀምስ ማቲስ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ስቕ ኢሉ እዩ ጸኒሑ። ትማሊ ረቡዕ ግን ኣብ መጽሄት 'ዘ ኣትላንቲክ' ንምምሕዳር ትራምፕ ኣትሪሩ ነቒፍዎ።

ማቲስ እንታይ እዩ ኢሉ?

"ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኣኽዎም ፕረዚደንታት ንህዝቢ ኣመሪካ ከሕብር ዘይፍትን፡ ወይ'ውን ከም ዝፈተነ'ኳ ዘየምስል፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ጥራይ እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "እኳደኣስ፡ ክኸፋፍለና እዩ ዝፍትን" ኢሉ።

ማቲስ፡ ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘጋጠመ ተቓውሞታት'ውን ርእይቶኡ ሂቡ።

"ነቶም ዝተወሰኑ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ኣይኮነናን ክንርኢ ዝግባእ። እቲ ተቓውሞታት ክግለጽ ዘለዎ በቶም ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ መትከላት ክብሪ ናይዛ ሃገር ክሕሎ ብዝጽውዑ ዘለዉ ሰባት እዩ" ኢሉ።

ጀነራል ማቲስ ኣብ 2018 ደብዳበ ኣእትዩ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ከሎ፡ ትራምፕ ንዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብምንቃፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ተገይሩ እዩ ተራእዩ።

ሕዚ ድማ፡ ትራምፕ ነዚ ተቓውሞታት ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ምሃቡ ኮኒንዎ።

"ወተሃደራት ንሕገመንግስታዊ መሰል ዜጋታቶም ክጥሕሱ ትእዛዝ ክወሃቦም እዩ ኢለ ሓሊመዮ'ኳ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

"ከምቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝረኣናዮ፡ ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ምሃብ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ስቪል ሕብረተሰብን ጎንጺ ዝፈጥር እዩ" ኢሉ።

ማቲስ ነዚ ዝበለ፡ ነቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘጋጠመ ክስተት ብምድራኽ እዩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ሰልፈኛታት ብሰላማዊ መገዲ ተቓውመኦም እናገለጹ እንከለዉ፡ ብመንብዒ ትኪን ብጎማ ጥይትን ክብተኑ ተገይሮም።

ብድሕሪ'ዚ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ብናዕበኛታት ዝነደደ ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ከይዱ ስእሊ ተሳኢሉ።

በዚ ተግባሩ ድማ፡ 'ስእሊ ክሰኣል ክብል ንሰላማዊ ሰልፈኛታት ዒላማ ገይሩ' ብዝብል ሓያሎ ነቐፌታ ወሪድዎ።

ጀነራል ማቲስ ኣብ ጽሑፉ፡ እቲ ፕረዚደንት ስእሊ ክሰኣል መታን ንሰልፈኛታት ምብታን "ንስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምግልጋል እዩ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እንተሎ፡ ረቡዕ ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ተቓውሞታት ቀጺሉ እዩ።

መብዛሕትኡ እቲ ተቓውሞታት ሰላማዊ እዩ ነይሩ። ከተማታት ሎስ ኣንጀለስን ቺካጎን'ውን 'እቲ ዝሓየለ ናዕቢ ሓሊፉ እዩ' ብዝብል፡ ብሰንኪ እቲ ተቓውሞታት ኣንቢረንኦ ንዝጸንሓ እገዳታት ከፍኩሰኦ ጀሚረን ኣለዋ።