አራን፡ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ጓል 14 ዓመት ጓሉ ዝፈጸሞ 'ናይ ክብሪ ቅትለት' ቁጥዓ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ፖሊስ ሰሜናዊ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ 14 ዝዕድሚኣ ጓሉ ' ናይ ክብሪ ቅትለት' ንዝፈጸመ ኣቦ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ፡፡
'ናይ ክብሪ ቅትለት' ኣብ ገለ ማሕበረሰባት፡ ክብሪ ቤተሰቡ ኣጉዲፉ ኣብ ዝተብሃለ ኣባል ቤተሰብ ብኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ገበን ቅትለት እዩ፡፡
እቲ ቅትለት ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ኣሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ፡፡
እታ ሮሚና ኣሽራፊ ዝተብሃለት ህጻን ምስ ወዲ 35 ዓመት ኣፍቃሪኣ ክትፍጽሞ ንዝደለየቶ መርዓ፡ ወላዲኣ ብዘይ ምቕባሉ፡ ምስ ኣፍቃሪኣ ጠፊኣ ምንባራ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ይገልጽ።
ደልዮም ካብ ዝተሓበአቶ ዝረኸቡዋ ፖሊስ ድማ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ገበሩ። ንህይወታ ክመትሰግእ እኳ እንተገለጸት፡ ክሰምዕዋ ግን ኣይከኣሉን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ለይቲ ብድቁሳ ብወላዲኣ ኣካላዊ ጥቕዓት ከምዝተፈጸማ ተሓቢሩ።
ጊልካህባር ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና፡ ሩምያ ወላዲኣ ብማዕጺድ ክሳዳ ከምዝቖረጻን ብኡ ንብኡ ናብ ደገ ብምውጻእ ነቲ ዝገበሮ ከምዝተናዘዘን ገሊጹ ኣሎ።
ቀትለት እታ ጓል 14 ዓመት ህጻን ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገርን ትዊተርን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ብሽማ ኣብ ትዊተር ዝተለጠፈ ነቲ ቕትለትን ኣባታዊ ልምዲ ሕብረተሰብ ኢራን ዝቃወምን ጽሑፍ ልዕሊ 50 ሽሕ ግዘ ተለጢፉ እዩ።
እስላማዊ ምቕጽዒ ሕጊ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተሰብ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘብጽሑን ' ናይ ክብሪ ቅትለት' ዝፍጽሙን ኣቦታትን ኣባላት ስድራን፡ ከቢድ ቅጽዓት ከይወሃቦም ይሕግዞም እዩ።
ሓደ ኣቦ ጓሉ ብምቕታል ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ከምቲ ንኻልእ ቅትለት ዝብየን ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ጋሪ ነብሲ ምኽፋል ኣይፈረዶን፡፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርት ዓመት ዝጸንሕ ማእሰርቲ እዩ ዝፍረዶ፡፡
ኣብ ኢራን ዝርገሐ ተመሳሳሊ ቅትለት ዝገልጹ ቁጽራዊ መረዳእታታት እኳ እንተዘይሃለዉ፡ ኣብ ገጠር ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝረአ ግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







