'መንግስቲ ፌዴራል ናብ ትግራይ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ዓፊኑ' ክትብል ትግራይ ከሲሳ

ፌዴራሊስት ሓይልታት ኣብ መቐለ
መግለጺ ስእሊ, ፌዴራሊስት ሓይልታት ኣብ መቐለ

ኣብ መቐለ ናብ ዝሳለጥ ፖለቲካዊ መድረኽ 'ፌዴራሊስት ሓይልታት' ክሳተፉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንመቐለ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 5 ፖለቲከኛታት 'ተዓፊኖም ተወሲዶም ተኣሲሮም' ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ሓሙሽተ ፖለቲከኛታት ኣብ ኣዲስ አበባ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ "ናይ ኮሮናቫይረስ ምርመራ ክግበረልኩም እዩ ብዝብል ሽፋን፡ ናብ መቐለ ንምብራር ካብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ተዓፊኖም ምስተወሰዱ ተኣሲሮም ይርከቡ።" ኢሉ።

ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ገና ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እናኸዱ እንከለዉ "ኣብ መገዲ ተዓፊኖም ተወሲዶም" ይብል እቲ መግለጺ።

መንግስቲ ትግራይ ነዚ "ዓፈናን ማእሰርትን" ክብል ዝነቐፎ ተግባር፡ 'መንግስቲ ፌደራል እዩ ፈጺምዎ' ክብል ከሲሱ።

ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያ "ዜጋታት ናብ ትግራይ ብናጽነት ከይንቀሳቐሱ ክልከላን ዓፈናን" ይገብር ምህላዉ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ተግባር ኣይኮነን እዩ ዝብል።

"ቅድሚ ሕዚ ምስ መትከል ዓለምለኻዊ ርክብ ብዝጻረር፡ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ነፋሪት ኣውሪዱ ናብ ትግራይ ከይከዱ ኸልኪሉ" እዩ ክብል ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ።

እዚ ምኽልካል ጉዕዞ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዘጋጠመ እዩ።

ናብ ትግራይ ዘምርሑ ዝነበሩ ልኡኻት ሰብ መዚ ቻይና፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ዝተሳፈርሉ ነፋሪት ንክወርዱ ከምዝተገደዱ ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ልኡኽ፡ ብምክትል ፕረዚደንት ግዝኣት ሻንዢ ዝምራሕ ጉጅለ ሽድሽተ ኣባላት ዝሓዘ ኮይኑ፡ 'ኣብ ጉዳያት ልምዓት ንምዝርራብን ስምምዓት ንምፍርራምን' መደብ ከምዝነበሮ መንግስቲ ትግራይ ንቢቢሲ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቶም ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛተት መነ መን እዮም?

መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣስማት ናይቶም ብመንግስቲ ፌደራል ተኣሲሮም ዝበሎም ኣባላት ጥምረት ፌደራሊስት ሓይልታት ዘርዙሩ'ሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ነፋሪት ክወርዱ ድሕሪ ምግባር ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ፖለቲከኛታት፡ ኣቶ ገብሩ በርሀ፣ ልጅ መስፍን ሽፋራው፣ ኣቶ ተሻገር አረጋ፣ ወ/ሪት መዲና ኢማም፣ ከምኡ ድማ ኣቶ ጉዑሽ ገ/ስላሴ እዮም።

ናብ መዕርፎ ነፈርቲ እናኸዱ እንከለዉ ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ድማ ኣቶ ዓብዲ ዑመርን አባስ ሓጂ መሐመድን ምዃኖም እቲ መግለጺ የብርህ።

እቶም ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ፖለቲከኛታት "ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ቤተሰብ እኳ ከይሓቶም ተኸልኪሎም" ኣብ ማእሰርቲ ምህላዎም ዝገለጸ መንግስቲ ትግራይ "ብህጹጽ ክፍትሑ" ጸዊዑ።

መንግስቲ ፌደራል፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም ፖለቲከኛታት ኮነ ብዛዕባ እቲ ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝቐረበሉ ነቐፌታታት ዛጊድ ዝሃቦ መልሲ የለን።