ፈረንሳ: ቀዳምነት ክታበት ኮቪድ-19 ንኣሜሪካ ዝብል ሓሳብ ተቓዊማ

ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሳኖፊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሳኖፊ

ዓቢይ ኩባንያ መድሃኒት ሳኖፊ፡ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ምስ ዘማዕብል፡ ፍርያቱ ብቐዳምነት ንኣሜሪካ ምሻጥ ዝብል ሃሳብ ቅቡል ከም ዘይኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳኖፊ ፖል ሁድሰን "መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣቐዲሙ ኣብቲ ምርምር ወፍሪ ብምግባሩ፡ [ካብቲ ፍርያት] ቀዲሙ ብብዝሒ ክእዝዝ ይኽእል እዩ" ብምባሉ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ላቦራቶሪታት ንኮቪድ-19 ክታበት ንምርካብ ምርምራት ይገብሩ እኳ እንተለው፡ ነቲ ክታበት ድልው ንምግባር ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኤድዋርዶ ፊሊፕ፡ ነቲ ቀረብ ንኹሉ ከም ዝባጻሕ ምግባር፡ "ኣብ ዋጋ ዕዳጋ" ዝወርድ ኣይኮነን ኢሉ።

ምክትል ሚኒስተር ፋይናንስ ኣግነስ ፓኔር ሩናቸር ብወገና "ንኣና፡ ብፋይናንስያዊ ምኽንያታት ቀዳምነት ምሃብ ዝብል ቅቡል ኣይኮነን" ኢላ።

ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን'ውን እዚ፡ ክታበት ብዕዳጋ ክዝወር ከም ዘይብሉ መርኣያ ኢዩ ከም ዝበለ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዙርያ ዓለም: ኣብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝግበሩ ምርምራት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ጉባኤ ከካየድ ከሎ፡ ካብ 40 ሃገራትን ለገስትን፡ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተረኺቡ እዩ።

እቲ ገንዘብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምምዕባልን ሕክምና ኮቪድ-19ን ከም ዝውዕል ተገሊጹ ኣሎ።

ብሪጣንያ ኣብ ምድላው ክትተሓጋገዝ ከላ፡ ኣሜሪካን ሩስያን ግና ኣብቲ ዋዕላ ኣይተሳተፋን።

ኣፈኛ ኮምሽን ኣውሮጳ፡ ስቴፋን ደ ኪርስማከር፡ "ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ንብረት ክኸውንን ንኩሉ ርትዓዊ ብዝኸነ ኣገባብ ክቕረበሉን ይግባእ" ኢሉ።

እቲ ብሳኖፊ ዝምዕብል ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብከፊል ብኣሜሪካ ዝተመወለ እዩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሳኖፊ ነቲ ዘካይዶ ምርምራት ዝውዕል፡ ዓሰርተታት ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ተዋሂብዎ እዩ።

ፖል ሁድሰን ምስ ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝሃቦ ርእይቶ ንብዙሓት ፈረንሳውያን ፖለተኪኛተት እዩ ኣቖጢዑ።

ሓላፊ ሳኖፊ ኣብ ፈረንሳ ኦሊቨር ቦጊሎት፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እቲ ዕላማ ነቲ ክታበት ንኣሜሪካን ንፈረንሳን ከምኡውን ንኣውሮጳ ኣብ ሓደ ግዜ ምቕራብ እዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ክውን ክኸውን ዝኽእል፡ "ኣውሮጳውያን ከም ኣሜሪካውያን ብቕልጡፍ ምስ ዝሰርሑ እዩ፤ መንግስቲ ኣሜሪካ ሚልዮናት ዩር ክህብ ቃል ኣትዩ ኢዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ: ሳኖፊ፡ ምስ ብሪጣንያዊ ግላክሶ ሰሚዝ ክላይን: ሓቢሩ ኣብ ምርምራት እቲ ክታበት ክሰርሕ ተሰማሚዑ እኳ እንተኾነ፡ ዛጊት ፈተነታት ኣይተጀመረን።

ኣብ ሳኖፊ፡ ሓላፊ ምርምራት፡ ጆን ሺቨር፡ ንኢንፍሉወንዛ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ቴክኖጂ ኢና ንኮቪድ-19 ንጥቀም ዘሎና" ኢሉ።

እቲ ክታበት ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2020 ናብ ፈተነ ከም ዝሰግርን ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2021 ኣብ ኣገልግሎት ክውዕልን ትጽቢት ይግበር።

ኮሮና
ኮሮና