ደቡብ ኮርያ ካልኣይ ዙርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስጊኡዋ

ደቡብ ኮርያ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ክትትግብሮም ዝጸንሓት ብርክት ዝበሉ ስጉምቲታት ዕጽዋን እገዳታትን ምፍኳሳ ስዒቡ፡ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ፈቲና።

እንተኾነ፡ ድሕሪ ምፍኳስ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ቁጽሪ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እናወሰኸ ይርከብ።

ስለዝኾነ ድማ፡ እታ ሃገር ካልኣይ ዙርያ እቲ ለበዳ ከይረትጥቃዕ ተሰጊ ኡ ኣሎ።

ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት እንዳ መስተን ምሸታዊ ተልሂትን ክዕጸው ኣዚዛ ኣላ።

ኣብዚ ወርሒ ዝለዓለ ዝበሃል ቁጽሪ በቲ ቫይተረስ ዝተለኸፉ ዘመዝገበት ኮይና፡ 34 ሰባት ሎሚ መዓልቲ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም።

ብሐፈሻ፡ ብዝሒ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ 10 874 በጺሑ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ተሪርን ፋጣንን ስጉምቲ ብምውሳድ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ተቖጸዓጺረን ካብ መንጎ ዝበሃላ ኣርባዕተ ንኡዳት ሃገራት ሃንቲ እያ።

ነዚ ስዒቡ እዩ ድማ፡ ክትትግብሮ ዝጸንሐት ኣዋጅ ዕጽዋ ክተፍኩስ ጀሚራ ዝነበረት።

ካልኣይ ዙርያ ናይቲ ለበዳ፡ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ርእሰ ከተማ እታ ዓዲ ሳዎል፡ ዝዘናጋዕ ዝነበረ ወዲ 29 ዓመት ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ እቲ ውልቀሰብ ዝዝናነየሉ ዝነበረ እንዳ ተልሂት [ክለብ]፡ ኣትዮም ነይሮም ዝተብሃሉ 1510 ኮርያውያን ተፈልዮም ክትትልን ምርመራን ክግበረሎምምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።

ነዚ እዩ ድማ፡ ከንቲባ ሳዎል፡ ናይቲ ሕማም ምልባዕ ንምቁጽጻር እንዳ መሰተን ምሸታዊ ተልሂትን መሎኢሶም ክዕጸው ዝኣዘዘዘ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ ኢን፡ እዚ ክስተት ኣብ ከምዚ ዝተረጋገዐ ኩነታት ከይተረፈ እቲ ሕማም ክዛመት ከምዝኽእል ኣብነት እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

"ነቲ ለበዳ ንምክልኻል እንገብሮ ጻዕሪ ጠጠው ክብል የብሉን፤ እቲ ሕማም ሙሉእ ንሙሉእ ደው ክሳብ ዝብል ሙሉእ ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና" ኢሎም።