ኮሮናቫይረስ፡ መርዑት ምስ ክልተ ኣዕሩኽ ዝተረኸቡሉ ስነስርዓት መርዓ ኣብ ኢትዮጵያ

እቲ ስነስርዓት መርዓ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተፈጺሙ። ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ድማ መርዑት ምስ ክልተ ኣዕሩኽቲ ጥራይ ተረኺቦም።
መርዑት ሙለታ ጉልሜሳን እመቤት ምስጋናን ይበሃሉ። ስነስርዓት መርዕኦም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኻይዱ።
"ኣብ ወርሒ ግንቦት ንምፍጻም ኢና ተሊምና ነይርና። ኩነታት እዚ ሕማም ብምርኣይ ድማ ክነሕጽሮ ወሲንና። ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ከይተኣኻኸቡን መርዓ ከይፍጸምን ተኸልኪሉ እዩ ዘሎ" ይብል መርዓዊ ሙለታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ወሲኹ ድማ "ነዚ ሕጊ ከይጠሓስናን መንግስቲ ንዘውጽኦ መምርሒ ተኸቲልናን ኣርባዕተ ሰባት ብምዃን ፈጺምናዮ። ኣነን መርዓተይን ካልኦት ክልተ ድማ ሓደ ናተይ ሓደ ድማ ናታ ኣዕርኽቲ ብምግባር መርዓና ብኣርባዕተ ሰብ ኣካይድና" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጹ።
እቲ ስነስርዓት መርዓ ሓደ ቐሺ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤተክርስትያን መካነ የሱስ'ዩ ተፈጺሙ።
ንሱ "ነቶም ቀሺ ሓዊስካ ብሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ምክያዱ ፍልይ ዝበለ እዩ" ይብል ብውሳንኦም ከምዘይጠዓሱ ንምርዳእ።
ስድራን ኣዝማድን ሕጉሳት'ዶ ይኾኑ?
መርዓ ክትሓስብ ከለኻ ብዝሒ ዕዱማት ኣብ ቅድሚት ዝመጽእ ጉዳይ እዩ። ሙለታ'ውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
"ንሕና'ውን ካብ 70 ክሳብ 100 ሰባት ኣብ መርዓና ክርከቡ ብትልሚ ሒዝናዮ ነይርና" ኢሉ።

"ንወለድና፣ ኣዝማድናን መሓዙትና 'ኣብ መርዓና ኣይትምጽኡ፤ ከምዚ ንብለኩም ዘለና ድማ ስለንፈትወኩም እዩ' ኢልናዮም ኢና" ይብል።
ኮሮናቫይረስ ክመሓላለፍ ካብ ዝኽእልዎ መገዲታት እቲ ሓደ፡ ምትእኽኻብ ሰባት ከምዝኾነ ይዛረብ እቲ መርዓዊ።
"ንሕና ናትኩም ስለዝኾንና ጽባሕ ኮሮናቫይረስ ምስሓለፈ ክንራኸብ ኢና፤ ሓጎስና ግን በብዘለኹምሉ ኮይንኩም ተኻፈሉ' ኢልና ኣእሚንናዮም" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወለዶም ኣብቲ ዕለት መርዓ ክርከቡ ብጣዕሚ ሃንቀውታ ከምዝነበሮም ግን ኣይሓብአን። "ንወለድና ይቕሬታ ሓቲትናዮም ኢና። ተስማዕሚዕና ኢና ነዚ ፈጺምና" ኢሉ።
መርዓዊ ሙለታ ጉልሜሳን መርዓት እመቤት ምስጋናን ዝተኸደንዎ ክዳን መርዑት ኣብቲ ቤተክርስትያን ብምውጻእ ጉዳዮም ፈጺሞም ልክዕ ከም ካልእ እዋን ኮይኖም'ዮም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







