ኢጣልያውያን መጻምድቲ፡ "ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዋላ ሓንቲ ኣይሰማዕናን"

ስድራ-ቤት

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO

ኣብ 2017፡ ኢለና ማኒጌቲን ርያን ኦስባርንን፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝወጠንዎ ንምትግባር ስረሖም ኣቋሪቆም፡ ጃልባ ዓዲጎም ንዓለም ክኾልዋ ወሰኑ።

ኣብ ጉዕዞኦም ምስ ስድረኦም ድሃይ ክገባበሩ ቃል ብምትእትታዉ ነንሕድሕዶም ሕማቕ ዜና ንኸይነጋገሩ ተመባጽኡ።

እዚም ኣብ ማንቸስተር ዝነብሩ መጻምድቲ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ካብ ደሴታት ካናሪ እዮም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጉዕዘኦም ፈሊሞም።

ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ጸንበለል ኣብ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘናውጽ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንዶ ኣይነበሮምን።

ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ን25 መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ እዞም መጻምድቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ደሴት መልሕቆም ክድርብዩ ወሰኑ።

ገና ናብታ ደሴት ኣብ ምጽጋዕ እንከለዉ ግን እታ ደሴት ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ዶባታ ከምዝዓጸወት ተሓበሮም።

እዚ ነዞም ክልተ መጻምድቲ ቦኽሪ እዝኖም'ዩ ነይሩ።

"ኣብ መርሒ ለካቲት ኣብ ቻይና ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ከምዘሎ ሰሚዕና ኔርና እንተኾነ ድሩት ኣፍልጦ'ዩ ነይርና፡ ናብ ካሪብያን በጺሕና ምስ ተመለስና ከኣ ኩሉ ተወዲኡ ከምዝጸንሓና ኢና ሓሲብና ኔርና" ትብል ኢሌና።

"ናብታ ደሴት ምስ ተጸጋዕና ግን ምልእቲ ዓለም በዚ ቫይረስ ከምዝተጸለወትን ከምዝተበከለትን ክንፈልጥ ክኢልና. . . ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ"

ስድራ-ቤት

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO

ምዕጻው ዶባት

እዞም መጻምድቲ ኮሮናቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ኣብ ዘስፋሕፋሓሉን፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ተባሂሉ ኣብ ዝተኣውጀሉን ኣብ ማእከል ውቅያኖስ'ዮም ነይሮም።

ነታ ዝነበርዋ ጀልባ ከኣ፡ እኹል ናይ ብሕቲ ግዜ ንኽህልዎም ኢንተርኔት ኣይገበሩላን።

"ናብ ስድራናን የዕሩኽትናን ኣብ ንድውለሉ ዝኾን ሕማቕ ዜና ከይነግሩና ወትሩ ምስ ኣጠንቀቕናዮም ኢና" ትብል ኢሌና።

ስድራ ኢሌና ኣብታ ካብ ዓዲ ጣልያን ዝያዳ ብኮቪድ-19 ዝተሃሰየት ዞባ ሎምባርዲ እዮም ዝነብሩ።

"መጀምርታ ኣብ ሓንቲ ኣብ ካሪብያን ትርከብ ግዝኣት ፈረንሳ ዝኾነት ደሴት እና ክንዕሽግ ሓሲብና፡ እንተኾነ ዶባታ ተዓጽዩ ጸኒሕና፡ ክንቀርብ'ውን ኣይተፈቀደናን" ይብል መጻምድቲ ኢሌን ዝኾነ ርያን።

"ዋላ ሽዕኡ'ውን ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ማዕበል ስለዝልዓል በጻሕቲ ኣይቅበሉን እዮም ኢልና ኢና ሓሲብና" ይብል ርያን።

እዞም መጻምድቲ ኣብታ ደሴት ምዕሽግ ምስ ተኸልከሉ ናብ ግሬናዳድ እዮም ኣምሪሖም፡ ነቲ ኣብ ጃልበኦም ተተኺሉ ዝነበር "4G" ኢንተርኔት ኣብኡ ክሰርሕ ከምዝክእል ብምስትብሃል ኣብታ ካብኦም ተኸዊላ ዘላ ዓለም እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ ንምርዳእ ፈተኑ።

"ሓንቲ ዓርክና፡ ኣብታ ክንከዳ ዝሓሰብና ሰይንት ቪንሰንት ነይራ፡ ናብቲ ቦታ ክንበጽሕ 10 ሰዓታት ምስ ተረፈና ንመጽእ ምህላውና ክንሕብራ ኢልና ደዊልናላ" ይብል ርያን።

ኢለን ተቕብል ኣቢላ "ኣነ ጣልያናዊት ስለዝኾንኩ ናብታ ዓዲ ክንኣቱ ከምዘይፍቀደና እያ ሓቢራትና፡ ግን ናይ ዓዲ ጣልያን ካብ ዘይከይድ ኣዋርሕ እየ ገይረ ነይረ"

ኣብታ ጃልባ ብዝነበረ 'ጆፒኤስ' ኣብ ዝሓለፍ እዋን ናበይ ከም ዝተንቀሳቐሱ ከርእዩ ስለዝኸኣሉን ንዝሓለፈ 25 መዓልታትን ምስ ዝኾነ ሰብ ከምዘይተራኸቡ ከእምኑ ስለዝኸኣኣሉን ጃልብኦም ዓሺጎም መሬት ክረግጹ ተፈቐደሎም።

"ኣቦይ ከይስንብድ'ዩ ኣጠንቒቑኒ"

ኢለንን ርያንን እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንስድረኦም ክንደይ ኣደራዕ ከም ዘውረደሎም ምስማዕ ቃንዛ'ዩ ኮይንዎም፡ ክሰምዕዎ ግን ነይርዎም።

"መበቆል ዓደይ ኣብታ ብኸቢድ ተሃስያ ዘላ ዞባ ሎምባርዲ'ዩ ስድራይ'ውን ኣብኡ'ዮም ዘለዉ፡ ዕሽግ ምስ ኣበልና ከኣ ናብ ኣቦይ'የ ደዊለ" ትብል ኢለን።

ኢለን ብምስዓብ "ኣዝዩ ከቢድ ዝርርብ እዩ ነይሩ፡ ኣቦይ ዘረባ ቅድሚ ምጅማሩ ከይስንብድ'ዩ ኣጠንቒቑኒ፡ ብዛዕባ እታ ዞባ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ከኣ ሰዲዱለይ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ"

"ልብኻ ዚምሽት ኣሳእል'ዩ፡ ሳንዱቅ ሬሳ ተወዲኡ፡ ሬሳታት ቀባሪ ስኢኑ፡ ስድራይ ኣምላኽ ይመስገን ድሓን እዮም ንዝሓለፈ ስዱሽተ ሳምንታት ካብ ገዛ ኣይወጽኡን፡ ብዙሓት ብቀረባ ዝፈልጦም ጎሮባብትና ግን ሞይቶም" ትብል ኢሌን።

ርያንን ኢለንን ኣብ ሰይንት ቪንሰንት ቦክያ ኣብ ዝብሃል ቦታ ጽቡቕ ኣለዉ፡ ክሳብ መዓስ እዮም ኣብኡ ክጸንሑ ግን የሻቕሎም ኣሎ።

"ኩሉ ቦታ ተዓጻጽዩ ስለዘሎ ካብ ሰይንት ቪንሰንት ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና" እትብል ኢለን " ኣምላኽ እንተኢልዎ፡ ናይዚ ቦታ ወቕቲ ብርቱዕ ማዕባል ኣብ ወርሒ ሰነ ስለዝጅምር፡ እዚ ማዕበል ከይጀመረ ካብዚ ቦታ ክንወጽእ እዩ መደብና" ትብል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ነገር ካብ ግምቶም ወጻኢ ኮይንዎም ከምዘሎ ዝገልጽ ርያን'ውን "ኣብ ሞንጎ ወቕቲ ማዕበልን ኮሮናቫይረስን ተቐርቂርና ውጥን ኣልቦ ኢና ኮይንና ዘለና" ይብል።

ኮሮና
ኮሮና