ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብጥይት ዝተወቕዑ መናእሰይ መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

ሓዘንተኛታት

ምንጪ ስእሊ, SINTAYEHU CHEKOL

ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ንክልተ መናእሰይ ብጥይት ተኩሱ ከምዝወቕዐን እቲ ሓደ ከምዝሞተን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ክዝርጋሕ ፀኒሑ እዩ።

ንምዃኑ እቲ ብትኽክል ዘጋጠመ ነገር እንታይ እዩ? ብምባል ቢበሲ ንስድራ ግዳያት ኣዘራሪቡ።

ኣቦ ናይቲ ሓደ መንእሰይ ዝኾኑ ኣይተ ድርቡሽ ተስፋየ፡ 26 መጋቢት ኣብ ክፍለከተማ የካ ወረዳ ሓሙሽተ፡ ኣብ ድሕሪ ኤምባሲ ኣብ ዝርከብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ምሸት ሰዓት 12፡ 45 ተኹሲ ከምዝሰምዑ ይገልፁ።

"ኣብቲ ተኹሲ ዝተሰመዐሉ ከባቢ ድማ ክልተ መናእሰይ ወዲቖም፤ ወድኻ ኣቤልን ሚኪያስን (ደምስ) ብጥይት ተወቒዖም ወዲቖም ኣለዉ፡ ምስ በሉኒ ሽዑ ካብ ገዛ ወፂእና" ይብሉ ኣይተ ድርቡሽ።

ክልቲኦም መናእሰይ ናብ ሆስፒታል ዳግማዊ ምኒሊክ ዝተወሰዱ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ በፅሑ ህይወት ሚኪያስ ሓሊፋ፤ ወዶም ኣቤል ግና፡ መጥባሕቲ ይግበረሉ ከምዘሎ ተነጊርዎም።

"እቲ ጥይት ብፀጋማይ ጎኑ ብትሕቲ ኣፍልቡ ኣትዩ፣ ብፀጋማይ ኣካላቱ ድማ ንፀሊም ከብዱ ሰለስተ ሴንቲ ሜትር ብምብሳዕ፡ ናይ ኢዱ መገጣጠሚ ከምዝወቕዐ ሓኪም ነጊሩኒ እዩ" ኢሎም።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ወዶም ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ወጺኡ፡ ኣብ ገዝኡ ከምዝርከብን "ቤተሰብ ብዝኾነት ሓኪም"፡ ይሕከም ከምዘሎ ሓቢሮም።

"ሕዚ ኣብ ዓራት እዩ ዘሎ፤ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን። ንርእሱ ግና ይፈልጥ እዩ፤ ምግቢ እውን ይወስድ እዩ" ኢሎም።

እንታይ እዩ እቲ መንቀሊ

ደቂ 21 ዓመት ኣቤል ድርቡሽን ሚኪያስ ደምስን መሓዙት ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣይተ ድርቡሽ፡ መበገሲ እቲ ቅትለት፡ ኣቤል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቦ ወዲ 10 ዓመት ህፃን፡ መስተ ኣብ ዝሽየጠሉ 'ግሮሰሪ' ይረኽቦ እሞ፡ ነዚ ህፃን ናብ እንዳ መስተ ምስዘምፀአ ሰብ ይጨቓጨቑ።

ፀኒሖም ግና ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ጎንፂ ዝሒሉ ክልቲኦም መናእሰይ ነናብ መገዶም ይኸዱ ነይሮም ይብሉ፡ ኣይተ ድርቡሽ።

ድሕሪ እቲ ፍፃመ ፖሊስ እቲ ወረዳ፡ ነዚ ጉዳይ ክምርምር ከምዝጀመረን፡ እቲ መርማሪ ናብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝመፅአን፡ ንሶም ናብ ሆስፒታል ከይዶም ስለዝነበሩ ግና፡ ምስቲ ፖሊስ ከምዘይተራኸቡ ገሊፆም።

ብድሕሪኡ መጺኡ ዘዛረቦም ኣካል ከምዘየለ ድማ ተዛሪቦም።

ኣይተ ድርቡሽ፡ "እቲ ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ዶ ኣይኣተወን ዝብልን፡ መን ከምዝኾነን ኣይንፈልጥን" ኢሎም።

ነዚ ጥቕዓት ዝፈፀመ ናብ ቤት-ፍርዲ እንተድኣ ዝቐርብ ኮይኑ ብዝብል፡ ንኽርከቡ ዋላ'ኳ እንተሓተቱ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ መጋባእያ የለን ከምዝተብሃሉ ገሊፆም።

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ንምፅራይ ናብ ኣዲስኣበባ ፖሊስ ደዊሉ፡ ኣይሰመረን።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ፌደራል ፖሊስ ኣይተ ጀይላን ዓብዲ ግና፡ ኣብታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብምእዋጁ፡ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህብ ከምዘይኽእል ገሊፁ።

ምክትል ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣይተ እሸት ገብሬ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምእዋጁ ስዒቡ፡ መሰል ዜጋታት ክጠሓስ ከምዘይግባእን ንዝቐርቡ ቅረታት ክትትል ከምዝግበረሎምን፡ ንቢበሲ ምግላፁ ይዝከር።