'ንመንግስቲ ከይንህብ’ዶ ንህዝቢ ክንልክም' ኤርትራውያን ምሁራት

ኣብ ደገ ዝርከቡ ልዕሊ 90 ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ማኒፈስቶ 2020 ብኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ኣብ ስደት' ዝብል ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መንግስቲ ኤርትራን፡ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራን ዝትንከፍ መግለጺ ምውጽኦም ይፍለጥ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ፡ ስለምንታይ ኣብዚ እዋን እዝን ዕላማ ምትእኽኻቦምን ብዝምልከት ምስ ዶ/ር ቶማስ ሶሎሙንን፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድን ቃለመሕትት ኣካይዱ ኣሎ። ሓደ ካበቶም ኣብቲ መግለጺ ክታሞም ዘንበሩ ነባሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶ/ር ቶማስ ሶሎሙን፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ስለምንታይ ኲኖ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኸይድ መግለጺ ከምዘውጽኡ ከምዚ ይብል፡
" እዚ ተበግሶ እዚ ቅድሚ ምጅማር ኮሮናቫይረስ ወይ'ውን ኣዝዩ ትሑት ኣብ ዝነበረሉ እዩ ተጀሚሩ። ምስ ምጅማር ኮሮናቫይረስ ኸኣ ብመንጽር ድኽመታት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ስርዓትን ንሕና'ውን ከም ህዝብን ደለይቲ ፍትሕን ከም ለበዋ ኢና ኣቕሪብና" ኢሉ።
"ነቲ ኣቐዲምና ጀሚርናዮ ዝነበርና ንዞባዊ ኩነታትና ዝምልከት'ውን ምስዚ ብምውህሃድ ንኽልቲኡ ብሓደ ከነቕርቦ ወሲንና።" ይብል።
ዶክተር ቶማስ ፡ ኣቐዲሞም ኤርትራውያን ሞያውያን ጥዕና ንኮሮናቫይረስ ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ጽሑፍ ኣቕሪቦም ምንባሮም ብምጥቃስ "ጎኒ ጎኒ ሓደገኛነት ኮሮና፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰብ ዝፈጠሮ ሓደጋ'ውን ይጽንሓለይ ዝበሃሎ ስለዘይኮነ ከነስምረሉ ወሲንና" ይብል።
እዞም ምሁራትን ሰብሞያን፡ ኤርትራ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ክትምክት እኹል ምድላዋት ከም ዘይገበረት ብምግምጋም ዘለዎም ከቢድ ሻቕሎት ኣብ ጽሑፎም ገሊጾም ኣለዎ።
ኣብቲ መግለጺ፥ እዚ ኮቪድ-19 ይትረፍ ነታ ብዋሕዲ ዝስተ ማይን ዝቆራረጽ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን እትፍለጥ ዝበሉዋ ኤርትራ፡ ነተን ብቑጠባን ካልእን ኣጸቢቐን ንቕድሚት ዝሰጎማ ሃገራት እውን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ኣሎ ኢሎም።
መንግስቲ ኤርትራ ብዘውጽኦ መምርሒ ኣብ ኤርትራ ዘገልግላ ዝነበራ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕክምናታትን ንኣሽቱ መደበራት ጥዕናን ብምዕጻወን ኣብታ ሃገር ዘሎ መሳለጥያታት ጥዕና ድኹም'ዩ ዝብሉ እዞም ምሁራት፡ ብሰንኩ ብዙሓት ኤርትራውያን ሞያውያን ጥዕና ንሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም ይብሉ።
ዶክተር ቶማስ "ካብዞም ኣብዚ ማኒፈስቶ ፈሪሞም ዘለዉ እቶም ዝበዝሑ ናይ ሕክምና ዶኳትር'ዮም" ብምባል ምትእኽኻብ ናይዞም ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጽረት ሞያዊ ዓቕሚ እንታይ ኮይኑ'ዩ ናብ ከምዚ ደረጃ ወሪዱን እዞም ኩሎም ንምንታይ ካብ ሃገሮም ወጺኦምን ህዝቢ ንኽርድኦ ርሒብ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጽ።

እዞም ምሁራትን ሰብሞያን ኤርትራ፡ ኣብ ጽሑፎም "ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኹሎም ዝተዓጽዉ ሕክምናታትን መደበራት ጥዕናን ክኽፍት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ሃገርና ስርሐን ክጅምራ ክግደድ፡ ነዚ ለበዳ ሕማም ከም መመኽነይታ ተጠቒሙ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ከይጥቀመሉ ሓያል ጸቕጢ ክንፈጥረሉ ይግባእ" ኢሎም።
መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንሓደጋታት ኮቪድ-19 ንምጉዳል ተባሂሉ ዝወጽአ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ክቕየድ ዝጽውዑ እዞም ምሁራትን ሰብሞያን ኤርትራ "ኹሎም ናይ ሕልና እሱራትን ቀለልቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራትን ክፈትሕ ምእንቲ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ጸቕጥታት ክገብሩሉ ንጽውዕ።" ኢሎም።
ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝውሰድ ዘሎ ናይ ዕጽዋን፡ ካልኦት እገዳታትን ስጉምቲ ወሲዳ ኣላ።
እቲ ብ1 ሚያዝያ ዝተወሰነ ናይ "ምርጋጥ" ኣዋጅ፡ ድማ ንካልኣይ እዋን ተናዊሑ ከም ዘሎ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ መኸተ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ዝመርሕ ዘሎ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።
ስለምንታይ ኣብዚ ናይ ህጹጽ እዋን፡ ገለ ካብቶም ምሁራት፡ ብገንዘብ ክሕገዝ የብሉን ትብሉ ንዝብል ሕቶ፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ "እወ ክወሃብ የብሉን" ድሕሪ ምባል፡ "እዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ መንግስትን ህዝብን ክንፈላልየሉ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ኢና በጺሕና። ስለዚ ብወገነይ ንመንግስቲ ኤርትራ ጥረ ገንዘብ ምሃብ ነዚ ዘለና ሽግር መፍትሒ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለኒ።
ንመንግስቲ ገንዘብ ከይንህብ ክንብል ግን ህዝቢ ግዳይ ክኸውን ስለዘይብሉ፡ ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ንብጻሓዮ ዝብል ብዝተፈላለየ ሜላ ተጠቒምና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ትካላት ድዩ ብኻልእ መንገዲ ክንሕግዞም መፍትሒ ክንረክብ ኣለና ይብልንመንግስቲ ከይንህብ'ዶ ህዝቢ ክንልክም!
እቶም ምሁራት ዝኾነ ንመንግስቲ ዝግበር ሓገዝ፡ ብመንገዲ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ክኸውን ኣለዎ እዮም ዝብሉ። ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝነኣድ ዝምድና የብሉን።
እተን ብካቶሊካዊት ቤተ ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ትካላት ጥዕና'ኳ ኣብ ቅድሚ እቲ ተሪር ፖሊሲ መንግስቲ ክቖማ ስለዘይከኣላ ዳርጋ ኩለን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ክዕጸዋ ተገዲደን።
ብዙሓት ኤርትራውያን ንመንግስቲ ብጥረ ገንዘብ ንምድጋፍ ወፈያታት ከካይዱ እንከለዉ፡ ካልሎት ድማ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምድጋፍ የጎሳጉሱ ኣለዉ።
ኣብቲ መግለጺ "ነቶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኣሽሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢድና ክንዝርግሓሎምን ሓገዛት ክንገብረሎምን ሓላፍነትና ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ" ክብሉ ከኣ ጸዊዖም ።
ብኻልእ ወገን፡ "ጉዳይ እሱራትና ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝመጽአ ይምጻእ ክውንዘፍ ዝግበኦ ኣይኮነን" ዝብል ዶክተር ቶማስ ሶሎሙን ብፍላይ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ እቶም ዝያዳ ዝተቓልዑ ኣካላት ንሶም ምኻኖም ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ከቢድ ገበናት ዘይገበሩን ናይ ሕልናን ፖለቲካን ክፈትሕ ጸዊዑ ነይሩ'ዩ።
እዞም ምሁራት ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና ዘመዝገበቶ ገስጋስ ዝጎስን ንጻዕርታት መንግስቲ ኤርትራ ዘቆናጽብን 'ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማታት' ንምውቃዕ ዝተሓለነ ሓቐነ'ዮ ክብሉ ይቃወሙ።
ንውሽጣውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከት
ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ኣብ ስደት "ፕረዚደንት [ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] ኣብ ኢትዮጵያ ንዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይቅቡል መግለጺታት ሂቡ ነይሩ። እዚ መግለጺ እዚ ንብዙሓት ተራ ኢትዮጵያውያን ኣቖጢዑ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ዞባና ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ሰብ ኢዩ ኢሎም ክጽበይዎ ዝጸንሑ ውሑዳት ኢትዮጵያውያን እውን ግድል ኢዩ ኮይኑዎም" ይብሉ።
ነዚ ተኸቲሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ኢድ ምትእትታው ደው ከብል ብዙሓት ናይ ኦሮሞ ምሁራት ቅሉዕ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ደው ከብሎ ከምዝጠለቡ ይጠቕሱ።
እዞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ምስ'ዚ ሓሳብ እዚ ከምዝሰማማዑ ብምግላጽ "መላእ ሕብረተሰብ ነዚ ዘይቅቡልን ሓደገኛን ምትእትታው ክነጽጎ አለዎ ኢልና ንኣምን" ኢሎም።
ዶክተር ብርሃን ኣሕመድ፡ ነባሪ ኣውስትራልያ ሓደ ካብቶም ነዚ ማኒፌስቶ ዝፈረሙ ኮይኑ፡ "ዝኾነ ሕጂ ዝግበር ነገራት ድሕሪ እዋን ብጎሮባብትና ከም ጸላእቲ ዘጠምተና ክኸውን የብሉን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኲናት፥ ምእሳር ካልእን ኣካል ስርሑ እዩ፡ ንሕና ኸኣ ከም ምሁራት ሓልዮት ናይ ጎሮባብትና ክህልወና ኣለዎ፡ ምኽንያቱ፡ ኣዴኻ፡ ኣቦኻ፡ ሓፍትኻ ኮነ ሓውኻ ኣይትመርጽን ኢኻ። ሃገርካን ጎሮባብትኻን'ውን ከምኡ መሪጽካ ኣይኮንካን ተምጽኦ። ስለዚ እዞም ዘለዉ ጎሮባብትና ናትና እዮም" ይብል።

መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምእሳር ተቓወምቱን፡ ኣብ ዞባዊ ምትእትታውን ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።
እዞም ምሁራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሚኑ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ነቲ 'ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዓመጽ' ዝበልዎ ሓጋዚ ተራ ከይህልዎን በዚ ኣብ ኤርትራ 'ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ' ክጥቀም ከይሕልንን ጻዊዕቶም ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ተቐዳዲሙ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ምፍጣሩ ብዙሕ ተመስጊኑን ሽልማት ኖቬል ተቐቢሉን እዩ። ይኹን እምበር ምስቲ ህዝባዊን ሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉ መንግስቲ ኢሳይያስ ዝገብሮ ኩሉ ምስጢራዊ ስምምዓት እዞም ምሁራት ኮኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ብውልቅን ብጉጅለን ውድብን ከይተረፈ ከዘኻኽሩን ከጠንቅቑን ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ሓምለ 2018 ድማ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ኲነተ-ኲናት ከም ዘብቀዐ ዝእውጅ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ ኣስመራ ፈሪሞም።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ናይ 20 ዓመት ኲናትን፡ ቀጻሊ ምትፍናንን፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ይርከብ። ይኹን 'ምበር፡ እቲ ኣብ ባይታ ፈለማ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት፡ ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያታት እንደገና ተረጊጡ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ነቲ ተረኺቡ ዝተባህለ ሰላም፡ ጎዶሎ ገይርዎ ኣሎ።
ዶክተር ብርሃን ኣሕመድ " ዓለም ብኮሮናቫይረስ እናተናወጸት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ እንታይ ድፍኢት እዩ ዘለዎ እንድሕር ኢልና፡ እዚ ምስ ጎሮቤትና ኢትዮጵያ ጽቡቕ ከምዘየለና ዘርኢ'ዩ" ብምባል ንስክፍትኦም ዘራጎዶ ሓሳብ ወስ የብል።
ኣስዒቡ፡" ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራትን ክልቲኡ ህዝብታትን ከም ክልተ ሃገራት ምቹእ ሃዋሁው ምፍጣር ኣገዳሲ'ዩ" ብምባል ማዕድኡ ይልግስ።
እዞም ኤርትራውያን ዶኳትር፡ "ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንቕድሚት ክትውንጨፍ ምእንቲ፡ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝሰፈኖ ከባቢ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ህዝብታትና ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ መሰረታትን ንናይ ኣህጉርና ዶባዊ ሕንጻጻትን ዝቕበል፡ ዘኽብር፡ ሕብረተሰብ ክህልወና ኣለዎ" በሃልቲ'ዮም።
"መልእኽትና ነቶም ብኣተሓሳስባ ንቕድሚት ዝሰጎሙ ኣካላት ሕብረተሰብ ናይ'ዚ ከባቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ'ቲ ጽምኣት ስልጣን ዘለዎ ኢሳይያስ ምዃኑ ተረዲኦም ንርግኣት ኣህጉርና ክዝርግ ዘኽእልዎ ዕድላት ከይከፍትሉ ነተሓሳስቦም" ክብሉ ድማ ይጽውዑ።

ዕላማ ምትእኽኻብ ምሁራት እንታይ'ዩ?
ዶክተር ቶማስ ሶሎሙን " ኩሎም ኣብዚ ማኒፌስቶ ዝፈረሙ ሰባት ኣባላት ሓንቲ ውድብ ማሕበር ወይ ጉጅለ ኣይኮኑን፡ እቲ ሓሳብ ብውሑዳት ተዳልዩ ናብ ኩሉ ፋሕ ምስ በለ፡ ምስቲ ሓሳብ ከምዝሰማምዑ ብኽታሞም ዘረጋገጹ'ዮም ኣብዚ ሰፊሮም ዘለዉ" ይብል።
ዶክተር ብርሃን ኣሕመድ ብወገኑ "መንግስታት ነበርቲ ኣይኮኑን ህዝብን ሃገርን ግን ነበርቲ'ዮም። ስለዚ፡ እዘን ክልተ ሃገራት እቲኣ ነታ ሓንቲ ከም ስግኣት ከይተጠማመታ ንኽኸዳን ርጉጽ ሰላም ንኽሰፍነንን ዓቢ ስራሕ ምስራሕ ከድሉ'ዩ" ብምባል ነዚ ዝሓዘል መልእኽትን ለበዋን ንምትሕልላፍ ዝተኣኻኸቡ ምኻኖም ይገለጽ።
ዶክተር ቶማስ ሶሎሙን ብምስዓብ "ኩኖ እቲ ነቲ ለበዋ ምትሕልላፍ፡ ናይ ምሁራት ናይ ሓሳብ ሓድነት ከምዘሎ ምርኣይ ኣድላይነት ነይርዎ፡ እቲ ካልእ ኣብ ቃልሲ ናይ ምሁራት ብኩራት ኣሎ ዝብል ኣተሓሳስባ ኸኣ፡ በዚ መልክዕ እዚ ጽሑፍ ድልዉነት ናይ ምሁራት ንቃልሲ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ መረጋገጺ እዩ" ይብል።
ኣብ መወዳእታ " ማእከል ስሕበት ናይቲ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ኣብ ክንዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ጫውጫው በቲ ኣብቲ ጻሑፍ ኣስፊርናዮ ዘለና ዛዕባታት ክምዘን ኣለዎ" ኸኣ ይብል።
እቲ ማኒፌስቶ፡ ንካልኦት ሞያውያንን ኪኢላታትን ዘየሳተፈ፡ ብምዃኑ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ወደብቲ ናይቲ ምትእኽካብ ግን፡ እቲ ዕድል ዕጹው ከምዘይኮነን፡ እኳ ድኣ ንምሁራት ንምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልጹ።
ዶ/ር ቶማስ ከምዝብሎ፡ "እዚ ሰነድ ብመዓርግ ዶክተረይት ዘለዎም ሰባት ተዳልዩ ዝተፈረመ ይኹን ደኣ እምበር፡ ብብዙሓት ሰባት ዝቀረበን ንኹሉ ብዝውክል መገዲ ነቲ ዝተሓለነ ሽቶ ንምውቃዕ፡ ነቲ ቅጥዒ ብዘማልኡ ሰባት ጌርካ ዕላማኻ ንምውቃዕ ከምዝተገብረ የረድእ።
"እዚ ናይ ማኒፈስቶ ሓሳብ ነቶም ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዘለዉ ኣተባቢዑ ከም ዝእከቡ ክገብር ይኽእል እዩ ብዝብል ዝተገብረ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ እቶም ዝተፈላለየ ተመኩሮን ሞያን ዘለዎም ብሓባር ኮፍ ኢሎም ኣድማዒ ነገራት ክሰርሑ ዝዓለመ እዩ። እቲ ዝቕጽል ምዕባሌታት ከኣ ኣብ ግዜኡ ክንሕብር ኢና" ክብሉ ርእይቶም ዛዚሞም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







