እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲንጋፖር 20 ሽሕ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ወሺባ
ኣብታ ሃገር ብሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ተለከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝተመዝገበ ትማሊ ኮይኑ፡ 120 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
ኣስታት 20 ሽሕ ዘይ ደቂዓዲ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዝነብርሉ ዝነበረ መደቀሲ ክፍልታት ክውሸቡ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ብውሸባ ኣብ ዝጸንሑሉ ግዘ ድማ፡ መሃይኦም ከምዝኽፈሎም፣ ብመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ምግቢ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ መጽረዪ ኢድ - ሳኒታይዘር ከምኡ'ውን መዕቀኒ ረስኒ ከምዝቐርበሎም ተገሊጹ።
ገለ ካብቶም ዝተወሸቡ ሰራሕተኛታት ግና መሊኡ ብዝፈስስ ሽቓቕ፣ ባልዓትን ብሪጋ (ሰልፊ) ምግብን ከምዝጽገሙ ይዛረቡ።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ 1,300 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ፡ 6 ሞት ተመዝጊቡ።
ኣብዛ ንእሽተይ ሃገር ሲንጋፖር 5.7 ሚልየን ህዝቢ ይነብር፡ ካብዚ እቲ 1.4 ሚልየን ካብ ሃራት ወጻኢ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት እዮም።